ሕጂ ውን ዳግማይ መጸዋዕታ ብውድብ ተሐኤ ምፍልላይ ያኣክል ህዝቢ ብህግደፍ እንዳ ጠፍኤ ዓጋቲ የብሉን ህዝቢ ክንዲ ሽሕ ረኺቡ ምስ ተንሰኤ፣

ኤርትራዊ ባይቶ ምስ ፈረሰ
ብወረርቲ ሪምና ምስ ተጋህሰ
ህዝቢ ንሐርነቱን ምስ ተቃለሰ
ወራሪ ኢትዮጵያ ምስ ተደምሰሰ
ንደርጊ ተኪኡ ዶ ህግደፍ ምነገሰ፣

ተቃውሞ ደንበ ዘረባ ኮይኑ ተዓኒዱ
ህዝቢ ኤርትራ ጅጋኑ ክምዘይ ወለዱ
ውርሻ ኮይኑ ስ ናብ ወዲ፣

ተቃውሞ ደንበ ብስኒት ወስኑስኑ
ናይ ሎሚ ቃልሲስ ንበይኑ እዩ ንበይኑ
ተቃወምቲ ካብ ንስመ 34 ዓመት ኮይኑ፣

ካድራት ንሐንቲ ገዛ ዓሰርተ ዝገበሩ
ካድራትና ነበረ ነበረ ክብሉ ዝነብሩ
ኣየናይ ዲክታቶርዩ ብዘረባ ተሳዒሩ፣

ተቃውሞ ህዝቢ ሶርያ ኣብ ዓዱ
ንጉጅለ ሐፉስ ኣል ኣሳድ ኣውሪዱ
ካብ ዲክታቶር ሐራ ገርዋ ንዓዱ፣

ተቓውሞና ኣብ ባይታ ንኸየትክል
ዘራጊ በዚሑ ሐዲሽ ሐዲሽ ዝተክል
ዓንቢቡ ትብሎ መሊሱ ይቕምስል፣

ምስ ደቂ ኣንድነታውያን ከላእ ትዛረቦ
ከምቲ ኢሰያስ ንኣቢ መፍትሕ ዘረከቦ
ናይ ኣቦታቶም ዝደገሶም ሕልና ኣልቦ፣

መንእሰይ ሰብዓታት ከምዚ እንዳበለ
ተፋላሊና ዶ ገለና ንባርካ ገለና ንሳሕለ
ጸላኢና ይፋላለ እንዳበለዩ ንሜዳ ዝወረደ
ዓገብ ንሕልንኦም ዝሸጡ ታሪኽ ኣልቦ ዕደ
ዕላማ ጀብሃን ጉጅለ ኢሰያስን ኣይነበረን ሐደ፣

ዋርሳይ ብመርገጾም ዘይንጹር ከይትህመሉ
ጉጅለ ኢሰያስዶ ካብ ሃጸይን ደርግን ሐይሉ
ኣየኖት ኣህዛብ እዮም ብዘይ መሪሕ ዝተላዕሉ
መጸዋዕታ ኣብ ጎኒ ውድብ ተሐኤ ክትዓስሉ፣

ንይካኣሎ ካብ ተሐታትነት ነጻ ዝኾንኩም
ንዋርሳ ሐለቲ ሪሞም እንዳ ሐብሐብኩም
ኣስናንካ ክትሕርቅሙ ከም ናይ ቀደምኩም፣

ብመርገጾም ዘይንጹር ክሳብ ማዓስ ኮለል
ዓመት መጸ ኢሰያስ ከምዚ በለ ያኣክል
ሕጂ ውን ተበጊሱሎ ናይ ሐርነት ገመል።

ካብ ሕድሪ ጀጋኑ ስዉኣቶ ዘይጠለሙ
ካብ ልሳኑ ዘይዓጸፈ ምስ መቃልስቱ
ኤርትራዊ ወድባት ንሪሙ ንፋስ ዘእቱ፣

ዓወት ነቲ ድም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ንዕንቅፋት ዝኾኑና መጋምገ ኤርትራዊያ ኢና በሃልትን፣ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print