ንሕና ኣባላት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ንቕሓት ተሞርኲስና ንመሰል ዜግነት ዝህልወና ኣምር ኣብ ምድልዳልን ከም ኩሎም ህዝብታት ዓለም’’ንመሰል ርእሲ ውሳኔ’’ሰውራና ካብ ዝጅምር ኣትሒዝና ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንህዝብና ክንሕብር ጸኒሕና፡ሕጂ’ውን ጸረ ምልክን ጭኮናን ጭፍራ ህግደፍ ንመሰልን ንሐርነትን ንምርግጋጽ ጸረ መሪሕነት ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ንቃለስ ኣሎና።

ተቃውሞና ሕጂ’ውን ናብ ህዝብና ቀሪብና፡ነቲ ብፋሽሽታዊ ጉጅለ ኢሰያስ ን31 ዓመታት ተጨውዩ ዘሎ’’ባህግታቱ ናብ ቦቱኡን መሳርዑን ንምምላስ ኣብ ምክልኻል መሬቱን መሰላቱን ህላወኡን ምርክስ ብምግባር’’ ኣብ ጎኒ ህዝብና ኮና ኣብ ባይታ ወሪድና ንርከብ።

ኣንጻር ድሌቶምን ሃገራዊ ሓድነትን ዝሕንጸጽ ዘሎ ሽርሕታትን ተንኮላትን ንዕዘቦ ዘለና’’ ህዝብና ካብ ምላሽ ናብ ምክልኻል ስርዓት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ወሪዱ ኣደዳ ስቅያትን ሞትን ምክልባትን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

ከምኡ’ውን እዚ ጕጅለ’ዚ ንኣባይትን ድኳናትን ብምውራር፡ነዞም ኣባይትን ድኳናትን ዓጽዩ ዕድመን ኩነታት ጥዕነኦምን ኣብ ግምት ከየእተዉ ዜጋታት ብምውሳድ፡ናብ ውግእ ሕድ ሕድ ኲናት ኢትዮጵያን  ብኢድ ኣእታውነት ሰራዊት ኤርትራ ዝጥቀመሉ ሜላታት ፖሊስ ሐላፍነቱ ዝሽከም ፋሽሽታዊ ጉጅለ ኢሰያስ እንበር ህዝቢ ኤርትራ ዝሕተተሉ ኣይኮነን።

ኣብዚ ኲናት ከም መሓዛ ገዛኢ ኣቢ ኣሕመድ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝኾነ’’ንህዝብና ኣብ ውሽጢ ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ኣእትዩ፣ንሞትን ምምራኽን ተቓሊዑ’’ብዘይካ ንባህርያዊ ድሌት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽም ዘሎ ጽልኢ ንገባቲ ጉጅለ ኢሰያስ ምዕጋብ ሐሊፉ ካልእ ምኽንያት የብሉን።

ኣሕዋት ህዝብታት ኢትዮጵያ ህዝብና ሎሚ ነቲ ብማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝተሃንጸ ናይ ፍርሒ ሓጹር ሓሊፉ ክቃወምን እምቢታ ምክልኻል ሐይልታቱን ንዕዘብ ኣለና’’ ናይቶም ብስርዓት ህግደፍ ናብ ኲናት ኢትዮጵያ ዝተደርበዩ ደቃ’’ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ንስርዓት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ተቓውሞታት ገለ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ተኸቲልና’’ከም ውድብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ’’ህዝብና ንፍትሐዊ ቃልሲ ብውሽጥን ብደገን ከዓስሎ ደጋጊምና ንጽውዕ ኣለና።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ሰላምን ርግኣትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

 

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ፋጻሚት ሽማግለ

19 ጥቅምቲ 2022።