ተጋዳላይ ሑሴን ከሊፋ አቦወንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራን ዓለምን ንዘለዉ ክርስትያን ኣሕዋት ብኽብሪ በዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመት 2023 እንቋዕ ሓጎሰኩም ይብል።
ብሽመይን ብሽም አባላትን ሓፋሽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንህዝብና አብ ኤርትራን ዓለምን ዝርከብ አመንቲ ክርስትና ርሑስ ልደትን ብርኽቲ ሓዲሽ ዓምት 2023 ይግበረልኩም አናብልኩ እንቋዕ ሓጎሰኩም ይብል ፡፡አብዚኣ ዓመት እውን ኣብታ እንፈትዋ ሃገርና ድሕሪ ምጥፋእ እቲ ብልሹውን ጨቋንን ስርዓትን ተሓጋገዝቱን አብ ናጻን ሓራ ኤርትራ ከንብዕል ባዓል ሙሉእ ተስፋ እየ።፡ ድሕሪ ምውዳቅ እዚ ስርዓት ኤርትራ ናጻ ኮይና ክትምዕብልን ከተስተማቕር፡ ኣብ ዓለም ዝግባኣ ቦታ ክትሕዝ ባዕል ዓቢ ተስፋ እየን ይምነ እውን።
ሓውኹም ሑሴን ከሊፋ