መጸዋዕታ ሕጂ ውን በተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ብውድብ ተሐኤ ሕጂ ውን መጸዋዕታ

ኤርትራዊያን ውድባት ንብስኽን ሕተታ

ናይ ጭፍራ ህግደፍ ህውተታ

ክንገብረሉ መደምደምታ

ያኣክል ኣብ ድያስፖራ ኮንካ ቱታ ቱታ’’

 

ሰልፍታት ማሕበራት ነብስኹም ሕተቱ

ንምብትታን ህዝቢ ኤርትራ ኣይትሃውትቱ

ንመንእሰያት ዳግማይ ከየርገጽዎም ፈንጂ

ንህግደፍ ብውሽጥ ብደገ ክንገጥሞም ሕጂ’’

 

ሕቶ ብ6ኣውቶቡሳት ንዓሰብ ዝኣተዉ

ብሐቂ ኤርትራዊያን ድዮም ተማራመሩ

ካብ ን32 ዓመት ተባህለ ቁምነገር ግበሩ

ብልጽግና ዓሰብ እንዳበሉ ይግዕሩ ኣለዉ’’

 

ደቀባት ኤርትራዊያን እንታይ ትብሉ

ካብ ጥንቲ ካብ ወረርቲ እንዳ ተኻላኸሉ

ኣቦሐጎታትና ብሴፍ ብዋልታ ረመይ ዝበሉ

ካብ61 ክ91ን30 ዓመት ብሉጻት ዝከፈልናሉ

ንሕና ንፋላለ ኤትዮጵያዊያን ሴፎም ይስሕሉ

መሬታ ምስ ባሕራ ርስተይ ሃገረይ

ኣሰር ጀጋኑ ኣቦሐጎታትና ደቂ ኤረይ

ተኸቲሎም ኣስላማይ ምስ ክስታናይ

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ

ካብ ጥንቲ ዝበሉ ሪመይ ርስተይ’’

 

ኣብዘይ ባቡርካ ተሰቒልካ ኮለል

ደላይ ፍትሒ እየ ምባል ያኣክል

ህግደፋዊ ጉጅለ ፍርዲ ክቕበል’’

 

ኣዝጉኑኒ ብምንታይ ብሃገር

እንታይ ኣለካ በል ተደረር

ብቆርበት በጊዕ ዝተኸደኑ

ተዃሉ ከይንዳናገር’’

 

ኤርትራዊያን ብጉዳይኩም ተዛረቡ

ናብ ዘረባ መዳናገርቲ ኣይተድህቡ

ኑዑ ንፋስ ዘእቱ ቀዳድኩም ለግቡ’’

 

ብኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ኣባ ጎብየ

ኤርትራዊ ብህግደፍ እንዳ ተሳቐየ

ዘይንጹር ዕላማ ሒዝካ ኤርትራዊ የ’’

መንእሰይ በልዩ ኣብ ጫካ

ምስ ጉጅለ ህግደፍ ውግእ

ወትሩ ኣብ ጫካ ኣብ ኣጻምእ

መንእሰይ ንኮንቱ ይጠፍእ‘‘

 

ንከይዛረብ ፍርሒ ዝዓነዶ

ሽምዓ ሒዝካ ምቁዛም ጋዶ

እቶም ግዳይ ዝኾኑ ብነጋዶ

ዝደሐሩ ስዉኣት ከ ተነጊሮም ዶ’’

 

ከምዘይ ጠለመ ናይ ሰማእታትና ሕድሪ

ከዳዕ ንብዓት ሐርገጽ ዝነብዕ መዳናገሪ

ንኤርትራዊ መንእሰይ ገርዎ ከምዘይ ፈሪ‘‘

 

ወረ እንታይ ዩ እቲ ምስጢር

ዓመት መጸ ብሐሶት ትምድር

ጅግና ዶ ተሳኢኑ ዝንድር‘‘

 

ኣይተላምዶም መደረ

በሎም ብዳንደረ

ሕጹብ መዓንጣ እንተ ዝነብረ

ከዳዓ ብደም ጀጋኑና ዝሰኸረ

ጉጅለ ኢሰያስ ምዓስ ምዓንደረ‘‘

 

ኣብ ሐደ ተጠርነፍ ኤርትራዊ

ንጥፍኣት ዓሰብ ከይተኣጎደ ሐዊ

ሑቑኡ ክስበር ኢሰያስ ፋሽሽታዊ‘‘

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና‘‘ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም‘‘ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ንናይ ዘበና ኣንድነታዊያንን‘‘ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 29 ሰነ 2023።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print

أخبار ذات صلة