ሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ምስ ኮነት ሐራ

 

ጸረ መግዛእቲ ኤርትራ ንኤርትራዊያን
ቃልሲ ምስ ተጀመረ ብጀጋኑ ሃገራዊያን
ብሐባር ዩ ተቃሊሱ ኣስላምን ክስታንን’’

(ሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ምስ ኮነት ሐራ)
ናይ ውድባት ሐሸውየ የለን ኢሉ ምስ ሃውተተ
ብልሳን መራሒ ህዝባዊ ግንባር ጉጅለ ገበተ
ብምሕዝነት ውድባት ኤርትራ ዝተመስረተ
ምሕዝነት ንብዙሐት ዝዓደመ ንሃገራዊ ዘተ
ዕንቅፋት በዚሕዎዩ ክሳብ ሎሚ ዘይተዓወተ’’

ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብስኒት
ካብ ምሕዝነት ሃገራዊያን ሐይልታት
ናብ ጥርናፌ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኪዳን
ንዋዕላ ነጸጎም ተጓይዮም ንምብትታን’’

ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ
ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሕቶ
ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝምልከቶ
ዕድል ኣይንሃቦም ንበዓል ዘራጊቶ’’

ሱር ነቀል ለውጢ ዶ ጽገናዊ ለውጢ
ብሑቡኣን ህግደፍ ብደገ ብውሽጢ
ጽገናዊ ለውጢ ምስ ጉጅለ ፋሽሽቲ’’

ምስ ውሽጦም ሑሩርት ብውሽጢ
ንሱር ነቀል ለውጢ ብዘይ ስልቲ
ብደለይቲ ፍትሒዩ ሐቀኛ ለውጢ’’

ያኣክል ተናዘዙ በልዎም
ጸረ ህዝቢ ከም መራሒኦም
ጋኔን ከይከውን ሒዝዎም’’

ጉጅለ13.15.ሕቶና ምስ ሐተቱ
ሕድገታት ገርና ጸዊዕና ንምሸቱ
ንጻዊዒትና ነጺጎም በይኖም ሃውተቱ’’

ሐዲሽ መኾስተር
ክሳብ ዝብተኽ ይኹስትር
ፖሎቲካ ጸዋታ ኮይኑ ኣኹድር
ኩሉ ኣፍ ዘውጸኤ ኮይኑ ካድር
ገባርን ሐዳግን ኮይኑ ይምድር
ሐዲሽ ሰልፊ ንጉራሃት የዳናግር’’

ዘለናዮ መድረኽ ነዚ ይመስል
ገለን ጉጅለ ህግደፍ ይንበር ይብል
ገለን ምስ ተጋሩ ውዲት ይሐብል
ንኣንፈቶም ዝሰሐቱ ንብሎም ያኣክል
ሕልና ኣልቦ ንኤርትራዊያን መዓስ ይውክል’’

ምክልኻል ሐይልታት ኤርትራ ሐላዊ ሪሙ
ነዋሕቲ መልሐስ እንበር ንሱ መዓስ ጠሊሙ
ብዑሱባት ስለያ ኢሰያስ እዩ ገበናት ተፈጺሙ
ነቶም ንጹሃት መንእሰያት ኤርትራ ኣይተጸልሙ’’

ኢትዮጵያዊያን ኤሊት ነጻ ኹኑ ካብ ቅንኢ
ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን የብሎምን ጽልኢ
ንወደባትና ግብሪ ከፊልኩም ክጥቀሙሉ ንመጻኢ
ዘይናትካ ምድላይ ምሕላም እዩ ነገር መምጽኢ’’

እንተ ንሳነ ህዝብና ምደሐነ
ንጉጅለ ህግደፍ ደሐን ኩን ምኾነ
ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ርስቱ ምስ ኮነ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ምሰፈነ’’

ንጹርዩ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ዕላማ
ኢሰያስ ምስ ጉጅሉኡ ሰለ ዝጠለማ
ንኤረና ዓዲ ጀጋኑ ሐርነት ክነግዝማ
ምስ ጉጅለ ኢሰያስ ክቕንጠጥ ሕማማ’’

እቅረ ካብ ኣልማዝን ወርቅንዩ ዝሕረ
ብጀጋኑ ደቂ ኤረ ስራሕ ምስ ተጀመረ
ብውሽጥን ብደገን ንሱር ነቀል ለውጢ
መልሕስኩም ትነኽሱ በዓል መዕለበጢ’’

ቃልስና ዕንቅፋት በዚህዎ እንበሪ
ከም ጉጅለ ኢሰያስ ውዲት ነውሪ
ብውሽጢ ኣለዋና ኣለዉና ሰብ ሕድሪ
ካብ ሃገራዊ ባይቶ ተቐበሉ መዛኻኸሪ
ሱር ነቀል ለውጢ ብደቀባት ብግብሪ’’

መጸዋዕታ ንኤርትራዊያን ንኣላዝቦ
ዲል ኣይንሃቦ ንጸረ ስኒት ሕልና ኣልቦ
ኣብ ጽላል ባይቶ ንዕሰል ንድሕነት ዓደቦ
ቃልስና ዕላምኡ ክሃርም ክንገብረሉ መዓልቦ
ህዝብና ሐርነት ክረክብ ን31 ዓመት ዝተሐረሞ’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 13 07 2022።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print