እዚዩ ናይ መስከረም መጸውዒ

እዚዩ ናይ መስከረም መጸውዒ

ኣብ ዓደቦና ክንጅምሮ ብወግዒ

ግብሪ መልሲ ክኸውን ኣድማዒ

ጉጅለ ህግደፍ ዘቅርብ ናብ ቀይዲ’’

 

ኢሰያስ ናይ ሰውራ መንሽሮ

ቅትለት በላሕቲ ኣእሙሮ

በብራሃም ኣብ ዓላ ዝጀመሮ’’

 

ብህግደፍ ጉጅለ ተዃሉ

ንደለይቲ ፍትሒ ክቀትሉ

ኣብ ኢስራኤል ንበዓል ምዕንጅሉ

ንሃሱሳቱ ካራሩ ሸጓጉጥ ዓዲሉ’’

 

ዝጠለሙ ናይ ስዉኣትና ሕድሪ

ሞት ንጭፍራ ህግደፍ ብነድሪ

ሕጊ ኣልቦ ጉጅለ ኣይኮነን ነባሪ’’

 

ጉጅለ ኢሰያስ ኣብ ባይታዩ ዝሰዓር

ኣብ ባይታ ኣብ ውሽጢ ሃገር

ደቂ ኤረይ ብደገን ብውሽጥን ንሕበር

ሕራነ ድያስፖራ ኣብ ግብሪ ክትግበር’’

 

ኢሰያስ ዝመርሖ ህግደፍ ክንብርከኽ

ካብ ሃገርና ንሐዋሩ ካብ ሱር ክሕከኽ

ጀጋኑ ሰራሕቲ ቅያ ክሰልኩ

ንስለያ ህግደፍ ከንበርክኹ’’

 

ኣሃዱታትና ምድሕን ህዝቡ

ሑጹባት መዓንጣ ኢዶም ዘይሃቡ

ይጽበዩ ኣለዉ ብሐደ ቃል ክትዛረቡ’’

 

(ሕቶን መልስን ብዉሽጡ ሑሩር)

ሕቶ ኢሰያስ እቲ ጥጁእ ዕላሙኡ ስም ኣግሃዶ’’ምስ ጃንዱኡ ሐደ ህዝቢ ኢና እንዳበለ’’ ተቃውሞ ደንበ ንሐደ ዕላማ እንታይ እዩ ስኒት ዝኸልኣና ዘሎ’’ንፍትሕን ንግዝኣተ ሕጊ እንዳ ተቃለስና ጋዶ’’ዝወደቐት ኦም ምሳር ይበዝሐ’’ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ዝሽቅጡ’’ ሕልሚ ኤሊት ትግራይ ብጋህዲ’’ምስ ትግራይ ዘይትሕወስ ኤርትራ ገደል ትእቶ።

(ጠንቂ ምብትታን ተሐኤ ኩሉ ይፍለጦ’’ውድብ ተሐኤ ብኸመይ ከም ዝተበተነ)

ብውዲት ግንባር ምስ ጉጅለ ወያነ’’ዕላምኦም ሐደ ስለ ዝኾነ’’ሃገራዊ ኣጀንዳ ዘለዎ ውድብ ተሐኤ ስለዚዩ ብውዲት ዝተበተነ’’ሕጂ ውን ኣይንድመርን ኤርትራዊያን ኢና’’ኢትዮጵያዊያን ተጋሩ ኣይኮናን እዩ እቲ መልሲ’’ሐደ ካብቶም ምስ ትግራይ ዘይትሕወስ ኤርትራ ገደል ትእቶ ዝብሉ’’ምስ ሰዓብቱ ኣግኣዝያዊ ዮስየፍ ገብርሂወት መንዩ’’ሕልሚ ትግራይ ትግርኚ ከም ትኪ ክበንንዩ።

ኤርትራ ዋላ ግደል ትእቶ

ኣቱም ኢትዮጵያዊያን ተጋሩ

ብመንእሰያት ኤርትራ ትቋመሩ

ኣብ ድያስፖራ ኮንኩም ትጃሃሩ’’

ቦታ የለን

ንመንነቶም ዘይፍሉጥ ዑሱባት

ንኤርትራ ዋጋ ዝኸፈሉ ደቀባት

ኣለዉዋ ኣብ መትከሎም ጹኑዓት’’

ዓንቃጺ በዚሑ ካብ ሃናጺ

ንቃልሲ ንጹሃት ዝቖጺ

ሐገዝ ነቲ ደም ህዝብና ዝመጺ’’

 

ኤርትራዊ ካብ ከዳዓት ዋህዮ

መንእሰይ ዓይንኻ ኣንቃሖዮ

ንፈታዊኻን ጽላኢኽን ኣለልዮ’’

 

ኣቱም በስላምን ክስታንን ትጣልዑ

ጽባሕ ንብዓት ሐርገጽ ከይትነብዑ

ምስ ኢሰያሳዊያን ብሕጊ ትቕጽዑ’’

 

ህዝቢ ኤርትራ ቆጽሊ ኣውዲቑ

ብቅዋም ዝምእዘዝ ምስ ተረቑሑ

ካብ ማዕድናት መሬቱ ክረብሕ

ዘይመሬትኩም ኣይትበሉ ቁሊሕ’’

 

ብውሽጢ ምክልኻል ሐይልታት

ብደገ ተቃወምቲ ኣለዉ ድልዋት

ለውጢ ብኤርትራዊያን ደቀባት’’

 

ግብሪ መልሲ ክኸውን ኣድማዒ

ንቆላን ከበሳን ብወጊ

እዚዩ ናይ መስከረም መጸውዒ’’

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን ንመሳርሒ መረብ ምላሽ ኤሊት ተጋሩን’’ብዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን’’28 መስከረም 2023።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print

ምስኡ እተተሓሓዘ ዜና