ጅግና ተጋድላይ ጅብሃ ዓባይ እዮብ ሃይለ ዓሪፉ

እዮብ ወደባት ካብ ኣውራጃ ሰራየ

እዮብ ወደቦይ ሃይለ ዓሪፉ ወየ ወየ

ኣፋንዉኒ ኢልካ ዶ እዮብ ብጻየየ

ሐርበኛ ተዓንቂፉ ሐርነት ከይረኣየ’’

 

ወየ ወየ ብሐደጋ ሞት ኣታ እንታይ ተረኸበ

ወየ ስነ ጥበባዊ እዮብ ዓሪፉ እንበር ኣንቢበ

ተቃላሳይ ኣቦ ስነጥበብ ኣብ ተቃውሞ ደንበ’’

 

ኣውራጃ ሰራየ መርድእ በጺሑኩም ዶ

ሃንደበታዊ ዕረፍቲ እዮብ ካብ ስግር ማዕዶ

ሐርበኛ ኣቦ ስነጥበብ ዓሪፉ ጋዶ እዩ ጋዶ’’

 

ኣቲ ዓለም ዳንደ ዓለም ዳንደ

ሐርበኛታት ሐሊፎም በብ ሐደ

ብጻይ እዮም ዓዲ ኩልና ዶ ከደ’’

 

እዮብ ራስታ ዶ ክብለካ ጀብጀብ

ሐርበኛ ሰነ ጥበባዊ ወደቦይ ሃይለ

ሰነድ ቃልሲ ኣፋንዉኒ ዶ በለ’’

ተቃሊስካ እወ ደቂስካ ኣብ ጭቃ

ፈስቲቫል ካስል ውን ብኣኻ ደሚቓ

ኣብ ኤርትራ ፍረቂ ኮና ጸሐይ በሪቓ

ኢዮባይ ውን ሐመድ ዓደቦኻ ሐሪሙካ’’

 

ኣብ ሜዳ ዝተቃለሰ ምስ ተሐኤ

ኤርትርዊ ስነ ጥበባዊ እዮብ ጥፍኤ

ሐርበኛ ልሳኑ ከይዓጸፈ ከይተሐብኤ

ኣብ ሰላማዊ ስልፊ ኣብ ኩሉ ዝረኤ’’

 

እዮባይ ኣቦ ስነ ጥበብ ብሰላም ዕረፍ

ከይተሐለለ ዝመከተ ንጉጅለ ህግደፍ

ወዲ ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽዩ ዝገድፍ’’

 

ዋጣኻ በቲ ያታ ዓደቦ ጥዑም ደሃያ

ንክራርካ ብትግረ ብትግርኛ ትቃንያ

ንሰውራዊ በዓላት ከድምቕ ዝመጽእ ጎዩ

ኣብ ፈስቲቫላት ካስል ንህዝቢ ኣላህዩ’’

ኣቦ ስነጥበብ ዓሪፉ እዮብ መቃልሕ

መንዩ መቃልስተይ ንግዝዩኡ ጥራሕ

መን ዩ ብጻየይ ብመትከል ዝምራሕ

ወየ ወየ ወየ እብል ኣለኹ ኣሕ ኣሕ’’

 

ኣብ ኣቃቂ ኣብ ኤርትርዊ ሃገራዊ ዋዕላ

እዮባይ መዛዘሚ ገርካ ናይ ደስደስ ጉይላ

ምስ ስነ ጥበባዊ ኣዝማሪኖ ተስፋይ ብሐደ

ኣብ ምዝዛም ታሪኽ ፈጺምኩም ዓቢ ግደ’’

 

እዮባይ ኣቦ ስነ ጥበብ ብሰላም ዕረፍ

ሐርበኛ ስነ ጥበባዊ እዮብ ልሳን ህዝቡ

እንቢ ንምልኪ እንዳበለ ብዓውታ ተዛሪቡ

ዓለም ኮንቱ ኣርኪባቶ ኣሰር ብጾቱ ስዒቡ’’

 

ንሐርበኛ ስነ ጥበባዊ እዮብ ወደባይ ሃይለ መንግስተ ሰማይ የዋርስካ’’እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኻና ኣብ ዝፋኑ ይቀበልካ’’ንስድራቤቱን ናይ ዕላም ብጾቱን ጽንዓት ይሃበና’’ ክብርን ሞጎስን ንኩሎም ሰማእታትና’’ካብ ናይ ሐዘንኩ ተኻፋሊ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ኡሉም ጀርመን 11 12 2023።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print

ምስኡ እተተሓሓዘ ዜና