ቃልስና ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ (ኣበ ህሌና ኢንበደ)

ቃልስና ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ

ቃልስና ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ

ህግደፍ ህወሐት ብልጽግና ጸላእቲ

ውዲት ሰለስቲኦም ብታሕቲ ታሕቲ

ንህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ብስልቲ’’

(ኣበ ህሌና ኢንበደ)

 

ኢሰያስ ከሎ ኣይውዳእንዩ ጸበባ

ቀደም እኳ ኣሕሊፉ ዘይሃባ

ሕጂ ውን

ንኤርትራ መድሕና ህዝባ

ግብራዊያን ንኹን የኣክል ዘረባ’’

 

ንምሉኡ ነጻነት ኤርትራ መተካእታ የብሉን

ኢሉ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ጊሲኹም

ብደሙ ዘረጋገጾ ነጻነት ግንባር ንረፈረንድም

ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ደሊኹም

ስልጣን ንድራኩላ ሳሕል ኣረኪብኩም’’

(ኣበ ህሌና ኢንበደ)

 

ብቅልጽመይ እንበር ስልጣን መን ሂብኒ

ንኩሉ ባዕሉ ቅዋም መዓስ ይኽልክሎ

ህዝብና ሰኣን ቅዋም ኣይኮነ ዛሳቐ ዘሎ

ህዝቢ ኤርትራ ይርሐሳና ሰለ ዘይበሎ

ንዓገብ ዝበለ በልማማ ይኣስሮ ይቀትሎ’’

(ኣበ ህሌና ኢንበደ)

 

ብቅልጽሙ ኣኽሊል ሰቒሉ

ብኣምለኽቲ ኢሱ ስለያ ተዃሉ

ዓገብ ዝበላ ዝበሉ ተቐቲላ ተቐቲሉ’’

 

ካብ ሃናጺ

በዚሑ ዘጋጊ

ኣብ ዘረባ ዊዒልና ንሐጊ’’

መተእታ ዝበልናዮ ሃገራዊ

ዘዝመጸ ምስ ኮነ መዕነዊ

ክሳብ ሎሚ

ኣይተረኸበን መርሃዊ’’

(ኣበ ህሌና ኢንበደ)

 

ብወፍሪ ሰላም ሐይልና ንምግምማዕ

ሐላይ ህዝቢ መሲልካ ዓይኒ ከዳዕ

ግርም እባ ንብዓት ሐርገጽ ምንባዕ’’

(ኣበ ህሌና ኢንበደ)

 

ንፍልልያትና ሰለ ዝመዝመዙ

ኢትዮጵያዊያን ንባሕርና ክሕዙ

ወግሔ ጸብሔ ሴፎም ይመዙ‘‘

 

ሰኣን ወሲንካ ንህግደፍ ምባሎም ፋሕ

ንኢሰያስን ጉጅሉኡ ንበሎም ሐሕ ሐሕ

ከም ትማሊ ከቢድ ዋጋ ከይንኸፍል ጽባሕ‘‘

 

ኢሰያስ ኣንጊሁ ሕጊ እንዳባ ዝጠሐሰ

ን32 ዓመታት ደም ህዝቢ ኤርትራ ዘፍሰሰ

ብጉጅለ ህግደፍ ክሳቀ ንዓመታት ዘይደቀሰ

ሐገዝና ይደሊ ኣሎ ቲ ንልላውነቱ ዘውሐሰ‘‘

(ኣበ ህሌና ኢንበደ)

ምክልኻል ሐይልታት ንሱ

ኣይኮነን ሰራዊት ናይ ኢሱ

ንሳቶም እዮም ክሳብ ሎሚ

ንልእላውነት ኤርትራ ዘውሐሱ’’

 

ኣቢ ካብ ኢሰያስ

መፍትሕ ምስ ተረከበ

ብንዕቀት ብደዔ እንዳ ተዛረበ

ኤርትራዊያን ተቓውሞ ደንበ

ሕጂ ኸ እንታይ ኢና ክንጽበ’’

 

ዓወት ነቲ ብፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ፍትሕን ሐርነትን ዝሐረሞ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ንቆርበት በጊዕ ዝተኸደኑ ኤርትራዊያን መሰል ዕንቅፋት ቃልስና ንድጉላት ኣንድነታዊያን’’ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሽዊት ለምለም’’ብኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 09 11 2023።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print

ምስኡ እተተሓሓዘ ዜና