ለውጢ ብኤርትራዊያን ምኾኑ ንእመን
ንመኖም ኪሒድካ ንመኖም ክትኣምን
መልክዕ ሰብ ለቢሶም ዕቅርቢት ተመን
ብዘመን ዕንክሽክሽ መንዩ እሞ ዝእመን’’
ኤሊት ግንባር ወያነን ሐደዩ ጠባዮም
ፋሕ ፋሕ ከብልትና ዕድል ሂብናዮም
ንኽልተ ኣህዛብ ደጋጊሞም ኣዳምዮም’’
ብምሕዝነት ኤርትራ ተቃውሞ ደንበ
ንዋዕላን ንጉባኤን ንኹሉ ምስ ኣከበ
መንድዩ ንምልኪ ኢሰያስ ዕድል ሃበ’’
ሰብ ኣይነብርን እዩ ታሪኽ ዝነብር
ቃልስና ጸረ ጉጅለ ህግደፍ እንበር
ኣይኮነን ጸረ ምክልኻል ደቂ ሃገር
ብደገን ውሽጥን ደቀባት ንሕበር’’
ኣያ እንግሊዝ እዚ ነዃል ሰልዱ
ካብ ድኻን ሃብታም ዝበልዕ ኣዋሊዱ
ንመንግስትና ኣፍሪሱ ባንዴራና ኣውሪዱ
ናብ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ኣረኪቡና ከይዱ’’
ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ነዓይ እመኑ ምስ በለና ኣገዲዱ
ንኤርትራ መሬታ እንበር ህዝባ ኣይደልን በለ ኣግሂዱ
ሐርበኛ ዓዋተ ምስ ብጾቱ እንቢሉ ኣብ ኣዳል ዓሪዱ
ሐምድ እድሪስ ብጅግንነት ተሰዊኡላ ንኤርትራ ዓዱ’’
ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓሲልዎ
ንሃጸይ ሃይለ ስላሴ ዓቕሉ ጸብብዎ
ኣስራተ ካሳ ንኢሰያስ ንሜዳ ሰደድዎ
ንሰውራ ክበታትን ብምስጢር ሊኢኽዎ’’
ገድልና ንኢትዮጵያዊያን ኮይንዎም ጓህሪ
ኣለ ደም ኢትዮጵያ ትቕደም በለ ደርጊ ብናህሪ
ኮነረል መንግስቱ ንሃጸይ ኣሲሩ ሰቒሉ ዲግሪ’’
ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ምስ በጽሔ ገድሊ
ሉኡኽ ኢትዮጵያ ክትሰዓር ስለ ዘይደሊ
ኢሰያስ ጀብሃ ክትሐቅቕያ ጨረሔ ብዕሊ’’
ውዲት ክኣልም ካብ ግንባራት ኣዝሊቑ
ግንባር ጸረ ጀብሃ ንውግእ ሕድሕድ ዓጢቑ
ንሕልምን ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ ተጸንቂቑ’’
ቃልሲ
ብግንባር ወያንን ንድሕሪት ተጎቲቱ
ን11 ዓመት መስዋእቲ ዕሸላት ሐቲቱ
ህዝብና ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ተዓዊቱ
ገና ኣይሰመረን ዘሎ ትምኒቱ
ብኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ተገቢቱ’’
ስለዚ
ስም መመሪጽካ ኣይኮነን ቃልሲ
ትማሊ ብሩህ መጻኢ ሎሚ ፈልሲ
ምስ ተጋሩ ውዲት ኣይፋልዩ መልሲ’’
ለውጢ ንኤርትራዊያንዩ ዝምልከት
ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብስኒት
ብናይ ሐባር ጽላል ንሰጉም ንቕድሚት’’
መጸዋዕታ ንደቂ ሃገር ብውድብ ተ.ሐ.ኤ
ብዝወሐደ ዋጋ ጸረቲ ን31 ዓመት ዝገዝኤ
ምስ ምክልኻ ሐይልታት ኤርትራ ክንብድሆ
ህግደፍ ሐንሳብ ንሐዋሩ ካብ ሱሩ ክሞሖ’’
ንለውጢ ብኤርትራዊያን ብዘይ ናይ ስግር መረብ ልፍንቲ
ጉያ ዘምዘምያ እንተላ ዘረባ ገዲፍና ባዕልና ንኹን ወስንቲ
ንጃንዳ ህግደፍ ኣፍሪስና ክንተክል ዲሞራስያዊ መንግስቲ’’
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 06 15 2022።