ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ቀንዴል ህዝቢ

ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ቀንዴል ህዝቢ


ብኢትዮጵያ ዝበለ ኣይንግዛእቲ እንቢ
ጅግና ምስ ብጾቱ ኣብ ኣዳል ኣዝጊቡ
ፈላሚ ሰውራስ ሐሊፉዩ በጃ ህዝቡ’’
ጅግንነት ሰራዊት ተሐኤ ታሪኽ ኣለዎ
ንኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ሎኽመኛ በልዎ
ተሐኤ ዓዲ እንተትኣቱ ህዝቢ ምረሃዎ
ንጅግንነት ደቀባት ሰብ ቅያ ኣለዉዎ’’
ፈዳይን ተሐኤ ኣብ ዓዱ
ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓሪዱ
ንከዳዓት ደቂ ሃገር ኣርዒዱ’’

ምልክተዩ ቀይሕ ኣይትጽልኣዮ
ንጅግንነት ተሐኤ ኣይተማራሳሐዮ
ተሰኒዱ ኣሎ ተገምጥልካ ረኣዮ’’
ዩሁዳ ዝመራሒኦም ወዲ ማማ
እኩባት ሰብ ብረት ኣልቦ ዕላማ
ኤርትራዊት ኣደ ኣይረኸበትን ጻማ
ብጃንዳ ህግደፍ ዝተረፉ ተደገማ’’

ኣታ ክሳብ ማዓስ ክንታለል
ንሱን ጉጅሉኡን ሰብ ኣመል
ዩሁዳ ንደቀባት መዓስ ይውክል
ብህዝቢ ኤርትራ ላግጺ ያኣክል’’
ከክንደይ ከፊሎምኹም ነጋዶ
ህዝቢ ኤርትራ ኣይትላዓልንዶ
ነዚ ከዳዕ ጉጅለ ብሕጊ ክንፈዶ’’
ነዚ ውን እንቋዕ ኣርከብናሉ
ቶም ህወሐት ትዕወት ዝበሉ
ኣንፈቶም ሲሒቶም ዝኾብለሉ

ሕጂ ኸ እይታይ እዮም ክብሉ’’
ሕጂ ኸ ናበይ መድያታት ወረ
ኣብ ባይታ እንታይ ኣሎ ዝተቐየረ
ሕጂ ኸይካኣል ዶ ብሐሶት ሰናቲም ክእረ’’

ዘይናትካ ምድላይ እዚዩ ትርፉ
ኣይበልናን ዶ ኢዲ ሸናሒት ግደፉ
ንተቓወምቲ ኤርትራ ኣይትዓንቅፉ
ኣይበልናን ዶ ንኢሰያስ ኣይትደግፉ’’
ሰብ ጥጁእ ዕላማ ንሰላም ምስ ሐንገዱ
ብሰንኪ ባድመ ኣብ ኣኽራናት ዓሪዱ
ኤርትራዊ መንእሰይ ብህግደፍ ተገዲዱ
ህዝብና መፍተት ዓረር ክኸውን ተፈሪዱ’’
እቲ ንሐርነት እነካይዶ ዘለና ቃልሲ
ናይ ሰላም ወረ ክንሰምዕ ክንዲ ቶኹሲ
ክንዲ ቦምባ ንህዝብና ክንገዝኣሉ ፈውሲ
ኣብ ቀሪኒ ኣፍሪቃ ክሰፍን ዲሞክራሲ’’
ብህልቀት ህዝብታት ንሶም ተሐታቲ
ህግደፍ ህወሐት ብልጽግናን ጻሕተርቲ
እቶም ገበርቲ ኡኩይ ጽባሕ ሐለፍቲ
ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያ መታርፍቲ።

ካብ ርስትናን ባሕርናን ኣይንህብን ስድሪ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ ሰብ ሕድሪ
ንጀጋኑ ሰማእታትና ክስምዖም ንዘለኣለም ክብሪ
ንመጻኢ ኤርትራ ምስ ከባቢኣ ክትነብር ብፍቕሪ”
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም’’ብኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 23 ሕዳር 2022።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print