መልሲ ንዘይ ባሕሮም (ዝምነዩ ኤሊት ትግራይ)

መልሲ ንዘይ ባሕሮም
(ዝምነዩ ኤሊት ትግራይ)

ዘይወግሕ መሲልዋስ
ኣብ ቦኽራ ትሸኡን
ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን መኻን
ጭርሖና ኤርትራ ንኤርትራዊያን
ትቢታትኩም ትኪ ኮይኑ ክበንን’’

ግደፉ እባ ግደፉ
ቆፎ ንህቢ ኣይትተንክፉ
ተጋሩ ንኣራት ኪሎ ምስ ከሰሩ
ናብ ኣስመራ ኤርትራ ክትሰግሩ
ህዝብና ኣሕሊፉ ኣይህብን ንባሕሩ
ሙሁራት ተጋሩ ፈጂ ኣይትቅበሩ’’

ኤርትራዊ መሬት ዩ ፎሮ ኣዶሊስ
ናይ ሕጊ ሙሁር ገላውዲዮስ
ፍልስፍናኻ ካብ ኮነ ደም ምፍሳስ
ክብለካ ዶ ዕባይ ዕዳጋ ዓርቢ ኣርዮስ’’

ጤል መጠራ
ካብታ ምንጣራስ ምምጥጣራ
ማይ ዶ ዓሚኹ ህዝቢ ኤርትራ
ኣዝማድ ኢሰያስ መራሒ ጭፍራ
ንህዝባ ኣዳኪሞም ዝምነዩ ንባሕራ’’

ግደፉ እባ ግደፉ
ቆፎ ንህቢ ኣይትተንክፉ
ካብ ኣራት ኪሎ ምስ ወረዱ
ኣብ መንጎ ኣህዛብ ሐዊ ዝኣጎዱ
ንዘተ ነጺጎም ሐዊ ዘንበድብዱ’’
ደም ዝተክል እባ ግናይ
ጎስጓስ ሕደጉ ኤሊት ትግራይ
ዝገደደ ከይከውን ዳሕራይ’’

ኢሰያስ ንግንባር መሪሑ ምስ ወያነ
ውዲት ኣሊሙ ጸረ ተሐኤ ዝወገነ
ዕላማ ግንባርን ወያነን ሐደ ስለ ዝኾነ’’

ግደፉ እባ ግደፉ
ቆፎ ንህቢ ኣይትተንክፉ’’

በምሐራን ተጋሩን በዚሑ ህውተታ
ንኢሰያስ ኣሚንኩም ትብሉ ቱታ
ኤርትራ ክትማሐዳደር ብዋናታታ
ንፍትሒ ይቃለሱ ኣለዉ ደቀባታ’’
ዓሻ በጊዕ ምስ ቶኹላ ዕርክነት
ሐቂ ሒዝካ ትወጽእ ሐርነት
ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ መሬት
ደም ኣፍሲስካ ኣይርከብን ዕብየት’’

ግደፉ እባ ግደፉ
ቆፎ ንህቢ ኣይትተንክፉ

ንሰናይ ጉብትና ንመሰል ንዲሞክራሲ
ድሕሪ ስዕረት ጭፍራ ህግደፍ ሲ
ኤርትራዊ ወደባትዩ ዝኽውን ቀላሲ
እዚዩ ናይ ውሽጦም ሑሩራት መልሲ’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ኣንገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል.ተ.ሐ.ኤ. በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን’’

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print