መራሒ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈትን መራሒ ጠቕላል ስታፍ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ሰንበት ምሸት
3.9.1989 ካብ ሜዳ ምስ ተመልሰ ኣብ ቅድሚ ቤቱ ኣብ ካሳላ ሱዳን መጥቃዕቲ በዕሱባት ጃንዳ
ሻዕቢያ ወሪድዎ ተቀቲሉ። እዚ ድማ ኣብ ዓውዲ ኮናትን ን ዓውደ ውግእን ስለ ተቓወሞም አብ ሜዳ
ክገጥምዎ ስል ዘይምኸኣሎም ነቲ ናይ ጥልመትን ሜላ ተጠቕሞም፣ ሜላታት ጥልመት ድማ ኣብ ግብሪ
ኣውዒሎ ም ንጅግና ብትብዓቱን መስዋእቱን ኣኽብሮቱ ዝነበረ ኣዛዚን መራሒ
ሰውራና ተሓኤ አብ ጽልማት መዓልቲ ቀትልዎ። ነቶም ሰለይቶም አዋፊ ሮም ሸዕቢያ ድማ ካብ
ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ይፈትዎ ዝነብረ ኤርትራ ምእንቲ ናጻ ክትኸውን ከይርእያ ገበርዎ።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓደ ተባዕ መራሒ ጅግና ተቃላሳይ ከምኡውን ሓላፍን ወተሃደራዊ መራሒን
ፈላስፋ አብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ጫፍ ን ጫፍ ምእንቲ ሓርነትን ናጽነት ኤርትራ ዝንቃሳቃስን ዝቃልሰን
ዝነብረ ታባዕ ተጋዳላይ ብጥልመትን በመጥቀዕቲ ሰኣና ። ሓሰብ ንጠንቂ ህዝቡ እተረኽበ ዓወት
አናተቃልሰ ን ጸላእቱ አብ ነፍሶም ፍርህን ዝሕድር ዝነበረ ጅግና እዩ።
ኣብ ቅድሚት ተቃለስቲ ደቂ ኤርትራ ዀይኑ ድማ ን እቲ መራሒ ሰውራ ኤርትራዊ ዝነበረ ሓሚድ
ኢድሪስ ኣዋቲ ነቲ መገዲ ድሕነትን መስዋእትን ክቅጽል ሙኽዋኑ ።
ሓቂ ኽሳዕ ዚፍጸም ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣንጻር እቲ ርእስኻ ናይ ምፍላይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚዕወት ኤርትራን
ህዝባን ከኣ ኣብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ናጻ ኽሳዕ ዚዀኑ ኣብ ኵሉ ዞባታ ድማ ፍትሒ ኽሳዕ ዚሰፍን
ሰማእታት እቲ ዜደንቕ ሰውራና ድማ ኣብኡ ኽብሪ ኽሳዕ ዚወሃቦም ኪቕጽል እዩ። ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ
ማሕሙድ ታጋደላይን ካድርን መራሒን ታሊኹ ዚገልጽ ሓጺር ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ነቅርብ።
ተቓላሳይ ማሕሙድ ሓሳብ መሓመድ ብ1945 ኣብ ከተማ ኣቁርደት ተወልዱ። ካብ ዓቢ ሽም ዝነበራ
ስድራ ቤት እዩ መጺኡ ኣብ ሕብረተሰብ እውን አብ ዝኾነ መዳይት እጃማ እትብርክትን ጕሉሕ ቦታ
ዝነበራ እዩ። ብመሰረት አቦኡ ኸሊፍ ሓስብ ሙሓመድ ሰራሕተኛ ቤት ፍርዲ ሲቭል እዩ ነይሩ ፣ ሓደ
ኻብቶም ኣብ ከተማ ኣቁርደት ዝነበሩ ምርኡያት ክቡራት ሰባትን ጸሓፍቲ ታሪኽን እዩ ነይሩ ፣ ኣብቲ
ኸባቢ ኣብ እተገብረ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመታት ከኣ መወከሲ እዩ ነይሩ ።
ትምህርቱ አብ እቁርዳት እዩ ነሩ። ብ1962 ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸምበረ ብ1963 ድ. ክ.
ድማ ኣብ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራዊ ተቓላሳይ ኰነ ። ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ህንጸት ስርዓት ሕክምና አብ
ተሓኤ ኣበርክቶ ይገበረ ተጋደላይ እዩ። ወተሃደራዊ ስልጠና ኸኣኒ ኣብ ሪፓብሊክ ዓረብ ሶርያን(Syria)
ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ሪፓብሊክ ሶሻሊስት ኩባ(Cuba) ተዋህቦ። ካብ ኩባ ምስ ተመልሰ ብ1970 ድ. ክ.
ቅያዳ አልዓማ ከም መረኣሒ ናይ ፍዳእይን አብ በርካ ገበርዎ።መራሒ ሰማእት ዝነበረ ማሕሙድ ኣብ
ናይ ደባይ ተዋጋታትን ውግእ ከተማን እተፈላለየ ምዕቡል ዘመናዊ ሜላታት ቃልሲ ኣማዕቢሉ ኢዩ።
ብዕባይን አድናቂትን ስርሒት ናይ ፍዳኢይን ዝኾነት ስጉምቲ ናይ ክማንዶ አብ ባንክ አቁርድት
አካይዱ ንዚ ስርሒት ካአኒ እቲኣ ናይ ሓለዋንቲ ብንክ ዝነበርት ማኪን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ሓይሊ
ዝነበርት ትጠቂሙ ጅግንነት ፈጺሙ።
ናብ ኵለን ንሃገራዊ ኣኼባታት ዜዳልዋ ኮሚተታት ተመርጸ ካብ ዝተካፈልለን አኺባታት ገለ ክንጠቅስ
1) ወትሓድራዊ ጎባአ አብ ኮርደባ በመጋቢት 1971
2) ቅዳማይ ጥቅላላ ሃገራዊ ጎባአአብ አር በ 1971
3) ካለይ ጥቅላላ ሃገራዊ ጎባአ አብ ሩባ ዕንስባን ሮባ ባርካ ዝራከቡላ ቦታ ብ1975
4) ሳልሳይ ጥቅላላ ሃገራዊ ጎባአ ባርካ ብ1982
ኣብ ኵሉ እዚ ኣኼባታት እዚ ብጥልመትን ቀተልቲን ህዝባዊ ግንባር ስለይቲ ክሳዕ ዚቕተልን ነቲ ዕጡቕ
ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ዚመርሑ ዝነብሪ መራሕቲ ካቡኦም ሓደ ነሩ አብ ኩልን ውን ተመርጺ እጃሙ
ምእንቲ ናጽነት ህዝቡን ናጽነት ዝፈትዋ ሃገሪ የበርክት ነበረ።።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራዊ ኣብቲ ዝገበረቶን ተገብሮ ዘላ ቓልሲ ዓበይቲ ጀጋኑን ሰማእታትን አወፍያ እያ
ኣምላኽ እንተ ፈቒዱ ኸኣ ህዝብና ዓወት ክሳዕ ዝረኽብብዙሓት ንኸቕርቦም ድሉው ኢዩ ።ንሕናውን
ከምቲ ን ዓወት ወይ ሰማእትነት ክሳዕ እንረክብ ብቘራጽነትን አብቲ ጐዕዞ ሓርነትን ናጽነትን ከም
ዘሎና ንስውእትና ቃል ነአኣቱን ነረጋግጸሎም ኢና።