መበገሲ ሐሳበይ ምስ ዓብደላ ስሌማን ዝተገበረ ሕቶን መልስን ካብ ምስ ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሒዝዎ ዝተቐበረ ዓቢ ሃገራዊ ምስጢር ዝብል ትንተና ዝተበገሰ እዩ።

ስዉእ ኣሕመድ ናስርን ዓብደላ ስሌማንን ብ1979 ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትታት፡ ናይ ውድቦም መርገጻት ኣናኣነጸሩ።

እዚ ውዲት እዚ ብኣጋ እንተ ዝቃላሕ’’ኢሰያስ ዝመርሖ ውዲተኛ ጉጅለ እንበር’’ውድብ ተሐኤ ይኹን ውድብ ግንባር ኣይምበሉን ፋሕ’’ሹዑ ይካኣል ነሩ ምስ ቶም ሃገራዊያን ተቓለስቲ ህዝባዊ ግንባር ምስራሕ።ሎሚ ንስምምዕ 20 ጥቅምቲ ክንደይ ካብ ሚእቲ እዩ ነዚ ታሪኽዚ ዝፈልጦ’’ህሉዋት ካድራት ተ.ሐ.ኤ እቶም ተንተንቲ ድሕሪ ማይ ናብ ባዓቲ’’ካብ ተሐታትነት ከም ጲላጦስ ኣይኮንኩምን ነጻ’’ታሪኽ ይተንተን እንበር ይታናተን።

ኣንጊሁ ኣብ ዓላ ኣብ ልዕሊ ኣብራሃም ካራ ኣብሊሑ”ንጉባኤ ኣዶባሐ ተሐሪሙ ንውግእ ሕድ ሕድ ሴፉ ዘብለሔ”መራሕቲ ጀብሃ እንዳ ፈለጥዎ ሸርሑ” ንሎክመኛ ኢሰያስ ኣሚኖም ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሰርሑ መሲልዎም” ንጥፍኣት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ንሰራዊት ሐርነት ዝመርሑ”ብ80 ሐደ ካብዞም ካድራት ተሐኤ ኣብ ረእሲ ከተማ ሃገር ሊባኖስ በሩት ከምዚ በለኒ” ጀብሃ ኣብ ኣዶባሐ ሳሕል ን35 ክሎ ሜተር ዝስፍሑ እስትርተጂ ሐንጺጹ ንሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ክባ ኣእቲውዎም ኣሎ ምስ በለኒ”ቃል ብቃላ ሕጂ ግርም ሐዲኣ ትወለድ እንተበልክዎ”ኢሰያስ ዝመርሖ ጉጅለ ንውድብ ተሐኤ ንምብትታን እንዳ ሰርሔ’’ኣይፋል ከምኡስ ኣይንመነ ዝብል መልሲ ሂቡኒ።

ብድኽመት መራሕታን ካድራታን ህዝባዊ ውድብ ተ.ሐ.ኤ ብውዲት ከም ትባታተን ኮይና”ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ዝተረኸበ ነጻነት‘‘ሐፍ ኢልካ ካብ ዱዃስ ናብ ኩርሲ”ብሕጊ ኣልቦ ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ብቅልጽመይ እንበር ህዝቢ ኤርትራ መዓስ መሪጹኒ ኮይኑ ቲ መልሲ”ንልዕሊ 40 ዓምታት ካብ ሰራዊት ተሐኤ ተሐቢኡ ዝጸንሔ ምስጢር ተንቲንካ ሕጂ ደኣ መንዩ ተሐታቲ”ምስ ኢሰያስ ነሩኩም ድዩ ስልቲ”ምቅናይ ጥራይ ምቕናይ ደቂ ኤረ ገና ካልእ ኣሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይተነገረ”ምስቶም ዝሐፉ ዝተቐበረ’’ንስምምዕ 20 ጥቅምቲ ጎስዩ ዘተ ምስ ኢሰባ’’ነቲ ሐዊ ኣፍሲሱሉ ላምባ’’ ንተሐኤ ንምብትታና ውዲት ምስ ወያነ ካብ ስግር ሩባ’’እዚ ምስጢር ብኣጋ ህዝብን ሰራዊትን ተሐኤ ክንዲ ዝፈልጦ ን45 ዓመታት ዕበጦ ዕበጦ’’ሎሚ ንስምምዕ 20 ጥቅምቲ ክንደይ ካብ ሚእቲ ዩ ዝፈልጦ’’ንቃልሲ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ’’ባዕሉ ከዳዓ ክነሱ ንሐዲሽ ወለዶ ከም ቃልሲ ከዳዓት ገሩ ዘፍለጦ’’ኣብ ካላኣይ ክፋል ይቕጽል።

ሕቶ ንተሐኤ ኣብ ምብትታን ዘብጸሔ መንዩ’መልሲ ኣብ ውግእ ሐዲሩ ዘይደክም’’ምስቶም ድቅስ ዝሕደሩ ካድራት ጉድለታት ክእርም’’ከየዕረፈ ክትዕ ዝገጥም’’ምስክር ናይቲ ተባዕን ቆራጽን ሰራዊት ሐርነት ብፋሉል ዝፍለጥ ኣባሉ ስለ ዝነበርኩ ክምስክር’’ብጀካ እቶም ብተግባራቶም ኣብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘይተመረጹ ዉሑዳት ጥራዝ ነጠቕ ካድራት’’ ብስዉር መሳርሒ ሰልፊ ነጻነት ንተሐኤ ንምብትታን ተጸፍዮም ዝነበሩ ኢሰያሳዉናን’’ሕቶታትና ብኣጋ ንጉድለታት ንምእራም እዩ ዝነበረ እንበር;ሕቶታት ሰራዊ ሐርነት ንተሐኤ ንምብትታን ኣይነበረን’’ንሐቶታቱ ክንዲ ምምላሽ’’ጸሊም ታሪኽ ተፈጽሙ።

ጅግንነቶም ብ75 ኡሱራት ካብ ሰንበልን ዓዲ ዃላን ምውጻእ ብ77 ኣውቶቡሳት ሰታዮ ካብ ኣስመራን ኣብ ውግእ ዓዲ ካንታ ዝወዓለን ይንገር’’ኣብ  ውግእ ሰላዕዳዕሮ ንሰራዊት ደርጊ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ምስ ሐጸሮ’’ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ንክልተ ዓመት ምስ ዕረዶ’’ውግእ ተሰነይ መንደፈራ ኣቑርደት’’ካብ ማእሰርቲ ሞጎራይብ ሐራ ምስ ወጹ ምርብራብ ባረንቱ ይመስክር’’ብድጉላት ካድራት ኣንፈቱ ስሒቱ’’ሰራዊት ሐርነት ብዘይ ድልየቱ’’ንግንባር ኢዱ ምስ ሃበ’’ሸዑዩ ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ንተሐኤ ንምብትታን ዕድል ዝረኸበ’’ብ77 ኣብ ውግእ ባጽዕ ሳሊና ጅግንነት ሰራዊት ተሐኤ ከመይ ነበረ’’ሰራዊት ህግባዊ ግንባር ይመስክር’’ሕጂ ውን ፍትሐዊያን ተመሲሎም ዕምሪ ኢሰያስን ጉጅሉኡን ዘናውሑ ድጉላት ካድራት ኣብ ሞንጎና ኣለዉ እሞ ኣይትዘንግዑ።

ድሕሪ ምብትታን’ተ.ሐ.ኤ’’ኣብ ድያስፖራ ብዘይ ምግናን ንህዝባዊ ግንባር ዝመከተን’’ሃገርና ኤርትራ ብጅግንነትን መስዋእትን ስንክልናን ደቃ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሐራ ምስ ኮነትን’’ብካድራት ዘይኮነስ’’ከም መሰረታት ተሐኤ ሰውራዊ ባይቶ ገሩ’’ነቲ ንሙሉእ ርእሰ ውሳነ ኤርትራ ካልእ መተካእታ የብሉን ዝብል ዕላማ ጎስዩ’’ብህዝባዊ ግንባርን ዲሞክራስን ፍትሕን ህግደፍ ዝብሉ ሽም ዝለወጠ ዘንፈጥፈጠ ኣይነበረን።

ኣብዚ ውን በተንቲ ተሰሚና’’ጸረ ቶም ኣቃላልሳና ይነጸር ዝበሉ’’ብካድራት ሰውራዊ ባይቶ ዳግማይ ጌጋ ተደጊሙ’’ኢድ ለሚሳ መልሐስ ነዊሐ’’ንዝኣመነ ኣሚኑ መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ን32 ዓመት ቀሲኑ ደቂሱ’’ካብ ንሕቶታት ፋሉል ዝፈልጥ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኣብ ሐቀኛ ታሪኽ ዝተበገሰ ምስክርነት’’ ብተጋዳለይ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ነበር’’ገለ ካብቶም ፋሉል ዘጠመቕዎ መራሕቱ ምዃኖም  ዝረሰዔ’’ግርህና ኣጥቂዕዎ ዓይኑ ዘየንቀሔ’’ንሳቶም ኣብ ዓራት ንሕና ኣብ ባይታ ኮታ’’ኣብ ሃገር ጀርመን ካብ 84 ክሳብ 1994 ንሰውራዊ  ባይቶ ንምሕያል ብገንዘቡን ብጉልበቱን ዝተቃለሰ’’ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ.ብገበን ስለ ዘይሕተት ኣንጊሁ ምስ ወሰነ ነቶም ብሂወት ዘየለዉ ንስድራቤቱ ክርኢ ዝበቅዔ::

ኣንጊሀ ብኢሰያስ ዝመርሖ ጉጅለ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል መዓስ ተጸብየ’’ ንሕቶ ህዝባዊ ሳራዊትን ጀጋኑ ንስንኩላትን ብዓረር ምስ ፈትሖ’’ብኢሰያስ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ህዝቢ ቆጽሊ ዘውደቐሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ክቐውምዩ ኢለ ስለ ዘይኣምንን ንዓዲ መእታወይ ውን ብጉጅለ ህግደፍ ቅቡል ስለ ዘይነበረን’’እቲ ኣብ ዓዲ ዘጋጠመኒ ንታሪኽ ክገድፎ’’ሕጂ ምስ እታ ሳጓ ዘይብሉ ሽማ እንኮ ውድብ ተሐኤ ኣባላ ኮይነ ጸረ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝቃለስ ዘለኹ እየ።

ኣብዛ ታሪኻዊት ዕለት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሸቃሎ’’ንለውጢ መጸዋዕታ ብውድብ ተሐኤ’’ንለውጢ ብስኒት ብደገን ብውሽጥን ብግብሪ ምስ ምክልኻል ሐይልታት ኤርትራ’’ጉድ ኢሰያስን ጉጅሉኡን ብዙሕ ኣሎ ዘይተቐልዔ’’ኣበይ ተማሂሮም ሕክምና ንቅርጸት ከብድስ ማሕጎማ’’ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ ካብ ማዕዶ ማዕዶ ምጥምማት ን32 ዓመት ኮለል ያኣክል ተናዘዙ’’ንበትሪ ኣብ ማእከላ ኣይትሐዙ’’ኣብ ሳልሳል ክፋል ይቕጽል።

ስእሊ በርሀ ዘሪፎ ብ81 ኣብ ገማግም ባሕሪ ርእሲ ከተማ ሃገር ሊባኒስ በሩት’’ ተንታኒ ታሪኽ ጀጋኑ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ብኣባል ከቢድ ብረት ቦጦሎኒ 149 ነበር ውጻእ ማዓት”ኣብ ሜዳ ብፋሉል ኣጸሊሞም ብኣባላት ጸጥታ ከሻፋን ከቢድ ብረትን ካብ ኢደይ ኣግዲፎም ጃላ ምስ ገበሩኒ’’ዕጥቀይ ኣውሪዶም ኪድ ንስድራ ቤትካ ረኣይ ኢሎም ንዕረፍቲ ኣፋኒዮምኒ’’ወተሃደራዊ ረስሚ ተሐሪምይኒ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ብጾት ምስ ሐዲሽ ረስሞም ስለ ዝንበሩ’’ኣብ ሕንብርቲ ምስ በጻሕና ወተሃደራዊ ረስሚ ዝተኸደኑ ተጋደልቲ ግንባር ሰላም መዓስ መጺኹም ካብ ዕራቕ በሉና’’ብማዕዶ ዝዕዘቡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተሐኤ ገለ ካብኦም ሸሪፎ ሸሪፎ እንዳበሉ ናባና ምስ ጎየዩ ኣንጎሎ ተጠውዮም ተጸፈዩ’’ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን’’ካብ ሕንብርቲ ንጸዓዘጋ ምስ ኣተኹ ምትፍና ተጋደልቲ ጀብሃን ሻዕብያን ጸኒሑኒ ኢሂ ደኣ ኢለ እተሐተትኩ እዚ ሎኽመኛ በዚ ሐሊፉ ዝብል መልሲ ሂቦምኒ’’ኣብ ገረሚ ቅንጸላ ተጋዳላይ ሽኮራይን ነቲ ኩነታት ክፈልጡ ዝኸዱ ቅትለት ክልተ ተጋደልቲ ብተጋደልቲ ሻዕቢያ ስለ ዝተፈጸመ እዩ ዝነበረ’’ክንዲ ንሕቶታቶም ምፍታሕ እቲ ብረት ናብ ሕድ ሕድ ኣምረሔ።

ዕላማይ ንስድራቤት ካብ ኣስመራ ጸዊዕካ መርካብ ስለ ዝነበረ ንዓዲ ቁንጺ ከይደ ንስድራ ቤተይ ጸዊዔ ንምርኣይ በቓዕኩ’’ብዛዕባ ሕቶታት ሰራዊ ሐርነትን ይገልጽ ስለዝነበርኩ ጸጥታን ተጋደልትን ተሐኤ መርገጽካ ኣነጽር በርሀ እንዳበሉ ይደፋፍኡኑ ነበሩ እሞ’’መልሰይ ድማ ሎሚ ጀብሃ ጽባሕ ጀብሃ ዝብል እዩ ዝነበረ’’ሐቅነተይዩ ሐራ ኣውጺኡኒ ዕድመን ጥዕናን ሂቡኒ ነዚ ንክገልጽ በቂዔ።

ናይ ዕረፍተይ ፍቓድ ነከለጉዛይ ስለዝነበረ ነከለጉዛይ ከይደ ንጸጥታ ክሕብር ነሩኑ’’ኣብኡ ግና ኣፍልጦ ተጋደልቲ ጀብሃ ኣብ ከበሳን ሳሕልን ባርካን ዝነበርና ኣፍልጦና በበይኑ ኮይኑ ጸኒሑኒ እዚ ጉጉይ ሐቤሬታ’’ጀብሃ ክትሐቅቕያ ዝብል ጭርሖ ብኢሰያስ ዝምራሕ ግንባር ንተጋደልቲ ተሐኤ ንምብትታን ሹዑዩ ዕድል ዝረኸበ’’ካብ ኣከለጉዛይ ምስ ተመለስኩ ኣብ ዕረፍቲ ከለኹ ኣብ ዓዲ ቁንጺ ቅድሚ ንእንባደርሆ ምስጋሩ ምስ ጅግና ኪዳነ ዓንደመስቀል ንሐጺር ግዜ ኢሂን ምሂን ተባሃሂልና’’ናዓናይ ምሳና ኢሉኒ ኣይፋል ኣነስ ኣይከይድን እየ ኢለዮ’’ንጽባሒቱ ክንዲ ንሕቶታቶም ምፍታሕ’’ኣብ እንባ ደርሆ መፍተት ሎኽመኛ ኢሰያስ ውግእ ሕድ ሕድ ኣብ መንጎ ጀብሃታት ተኻይዱ።

ታሪኽ ይተንተን እንበር ይተናተን’’ብድጉላት ኢሰያሳዊያ ክሳብ ማዓስ ክንባተተን’’ኣብ ድፋዕት ካላኣይቲ ሐይሊ ቦጦሎኒ 149’’ብተጋደልቲ ስዉእ ዑስማን ሳበ ዝምራሕ ውድብ ስለ ዝተታሕዘ እዩ ንሕቶታት ሰራዊት ሐርነት ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ዘብጸሔ’’ነዚ ምትእትታዊ እዚ ሐደ ካብቶም ኣዝዮም ዝቃወምዎ ስለ ዝነበርኩ’’ጸጥታ በርሀ ሸሪፎ ናብ እንዳ ሳበ ክኸይድ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘይነበሮም’’ጸጥታ ክኣስሩኒ ምዃኖም ምስ ሐበርክዎ’’ኣነኳ ዝወለደት ትውለድ ሐቅነተን የዋጻኣኒ ኢለ ነረ’’ተቢዑ ዘትብዑ ተጋዳላይ ዓንዶም ግና ካብ ምእሳር ኣድሒኖምኒ”ናብ እንዳ ሳበ ምስጋረይ ምስ ፈለጡ ደድሕረይ ምስ ሰዓቡን ቀልጢፎም ንሱዳን ንዕረፍቲ ከምዝዓቱ ገሮምኒ’’ድሕሪ ዕረፍቲ ንሜዳ ክምለስ ከለኹ መተዓቢተይን ኣብ ቦጦሎኒ 149 ምሳይ ዝጋደል ዝነበረ ብሃንደበት ምስ ተራኺብና ምስኦም ምቅላስ ገዲፈ ንስደት ኣምሪሔ።

ሐርበኛ ኣይነብርንዩ ታሪኽዩ ዘውርስ’’ሕጹብ መዓንጣ ኪዳነ ዓንደመስቀል መንዩ ከይትብሉ ብ72 ናብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ዝተቃለሰ ብጅግንነት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ንኢሰባ ኣንፈጥፊጡ  ዝተሰወኤ ጅግና እዩ’’ናብ ግንባር ማዓስ ኢዱ ሂቡ ካብ እንባደርሆ ንድርፎ ዘንቆልቆለ ኪዳነ ንጉድለታት ተሐኤ ንምእራም እንበር ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝኾነ ርክብ ከምዘይ ነበሮ ዘተኣማምን ሕቂ እዚ እዩ’’ከምቶ ብዘይ ሐሰብዎ ግዳይ ዝኾኑ መዓስ ኮይኑ’’ምስ ሐርበኛ ስዉእ ኪዳነ ዓንደመስቀል ኣብ ዓራግ ሳሕል እዩ ፈለማ ሌላና’’ብመጀር ጃስም ናይ ተዋጋኢ ሐይልታት ሰራዊት ሐርነት መራሕቲ ክንከውን ብሐንሳብ ኮርስ ወሰድና’’ካብ ሜጀር ጃስን ኣድንቖት ዝረኸበ ሐርበኛ ተቓላሳዩ’’መዓስ እዚ ጥራይ ኣብ ዓራግ ፖሎቲካዊ መግለጺ ክህበና ዝመጾ ኣባል ወተሃደራዊ ስታፍ ብጻይ ሕሴን ከሊፋ ኢዱ ሐፍ ኣቢሉ ምስ ሐተቶ’’ሐደ ካብቶም ኣብ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝመረጹኻ እየ ምስ በሎ’’ቃል ብቓላ እሞ ነዚ ሰሚናር ደኣ ንስኻ ዘይትመርሖ ዝብል ምስክርነት ዝረኸበ ሐርበኛ እዩ ነሩ።

ንሜዳ ካብ ዝወጽእ ኣትሒዘ ኤርትራ ንኤርትራዊያን ንጹርዩ ዕላማይ’’ካብ ሜዳ ክሳብ ናብ ሃገር ጀርመን ዝኣቱ ብዙሕዩ ነዓይ ዘጋጠመ’’በዚ ኣጋጣሚ ንፍሰሃየ ወዲ ኣርባዕተ ዘለኒ ኣኽብሮት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩሞ ካብ ሰናይካ ዝምነ በርሀ ሸሪፎ’’ከምኡ ውን ካብ ነጻ ከተማ ኣቑርደት ብኢሰያስ ዝምራሕ ህዝባዊ ሐይልታት ምስ ብዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ህዝባዊ ሐይልታት ዝተፈለየ ተጋዳላይ ዓንዶም ካብ ማእሰርቲ ስለ ዘድሐነኒ ዘለኒ ኣኽብሮት ወሰን የብሉን’’ኣብ ኣመሪካ ምህላውካ ሰሚዔ እየሞ ምስ ምሉኣት ስድራቤቱ ድማ ዕድመን ጥዕናን እምነየሉ በርሀ ሸሪፎ።

ጭርሕና ከምቲ ናይ 77 ኤረናዶ ብደርገ ትሕሎ ለብዘበን ሐዲኡሎ;ህዝቢ ኤርትራ መረረ የስምዕ ኣሎ’’ሕጂ ድማ ኤረናዶ ብህግደፍ ትሕሎ’’ጅግና ከም ኪዳነ ዓንደመስቀ ተሳኢኑ’’ደንበ ተቓውሞ መልሕስ ጥራይ ኮይኑ’’መድሕን ዝኾኖ ሑጹብ መዓንጣ ተሳኢኑ ይበሃል ኣሎ’’ እንዳበልኩ  ኣብ ሐቀኛ ታሪኽ ዝተመርኮሰ ትንተናይ ክዛዝሞ።

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን’’ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም’’ብኣባል ተሔኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን(9)ግንቦት 2023።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print