መጸዋዕታ ካብ ውድብ ተሐኤ
ኣለኹ ዝብል ምስ ተጸወዔ
መጸዋዕታ ካብ ውድብ ተሐኤ
ንድሕነት ዓደቦ ንዳግማይ ትንሳኤ
ተዓዘብቲ ኣይንኹን ህዝቢ እንዳጠኤ’’
መድያታት ነዋሕቲ መልሐስ ክእደባ
ለውጢ ምስቲ ብውሽጢ ዘሎ ህዝቢ
ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቆልዓ ኣይተብኪ
ኤርትራዊዩ ንለውጢ መድፍዕ ታንኪ’’
መግዛእቲ ኢትዮጵያን ምስ ተሳዕረ
ብ91 እንታይ ተመኒኹም ደቂ ኤረ
ንዝሐለፈ ክንሰግሮ ብእቕረ እቕረ’’
ገለ
ምስ ከዳዕ ይሕሸኒ ምስ ዝበለ
ኣረሜናዊ ናይ ኢሰያስ ጉጅለ
ሐሸውየ ውድባት የለን ምስ በለ
ክንዲ ንሳነ ሐይልና ተማቓቐለ’’
ዘይሐልፈላ ጭሩ መስከረም ትዓውር
ዝሐለፈስ ሐሊፉ ሕጂ እንታይ ይገበር
ረዚን ዋጋ ጀጋኑዩ ተኸፊልዋ እዛ ሃገር
ንጠቕሚ ህግደፍ በበይንና ኣይንጭድር’’
መስሐቂ ሸራፋት ኮና ዝገደደ
ብጉጅለ ዩሁዳ ክንጠፈ በብሐደ
ድሕሪ ነጻነት ዶ መንእሰይ ምተዋረደ
ኤርትራዊ ተገፊዑ ካብ ዓዱ ምተሰደደ’’
ኣብ ዓቦና ክንረክብ ክብረት
ህዝብና ክጋላገል ካብ ደልሃመት
ክልተ ወርሒ ክሳብ ሐዲሽ ዓመት
እንተ ተሳኒና ከመይ ዘይንዕወት’’
ዋጋ ከፊልካዩ ዝራጋገጽ ፍትሒ
ካብ ጉጅለ ህግደፍ ክንድዚ ፍርሂ
ነዚ ኣየድልዮን ዩ ብዙሕ መብርሂ
ኣብ ግራትና ዘቦቖለ ኳዂቶ ክንጽሂ
ዓለም ንኣውያትና ጸማም እዝኒ ሂባቶ
ሕብርና እንዳ ተለዋወጢ ከም ነፋሒቶ
ንጉጅለ ኢሰያስ ኣይካኣልና ክንምክቶ
ንሱ መንግስቲ ንሱ ጀነራል ኣዛዚ ባይቶ’’
ካብዚ ውግእዚ መንዩ ተጠቃሚ
እቶም ዘለዎም ናይ ስልጣን ሕልሚ
ብደም ዝጠልቀዩ ትማሊ ኮነ ሎሚ
ምስ ዋህዮታም ዝወሐጦም ሰልሚ’’
ቃልሲ ኤርትራዊያን ደቀባት
ንፍትሒ ንመሰል ንሐርነት
ናይ ኢትዮጵያዊያን ግርጪት
ንኢትዮጵያዊያን ዩ ዝምልከት
ኣይበልናን ዶ ኣይንሃውትት’’
ኣየ ምክልኽል ሐይልታት ዝረኸቦ
ምስኦም ዶ ኣይነብርኩምን ዓንተቦ
ምስ ዕጥቕኹም ኣብ ሩባ ኣብቲ ጎቦ
ዕድመን ጥዕናን ንምነ ንዋልታ ዓደቦ
ናብ ዋናታቱ ክምለስዩ ኢሰያስ ዝሰለቦ’’
ዋጋ የብሉን ጨናፍራት ምብዛሕ
ካብ ትማሊ መታን ክሐይሽ ጽባሕ
ካብዚ ንላዕሊ ዕምሪ ዩሁዳ ኣይንውሕ
ሕጂዩ እዋኑ ንህግደፍ ክነብሎም ፋሕ
ኣዚርና ንሕሰብ ደም ከይንነብዕ ጽባሕ”
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም’’ብኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 11 ሕዳር 2022።