ቅዋምና ይተግበር
ኡሱራት ይፈፍተሑ
ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ክተቃልሑ
ካሳብ ማዓስ ጸረ ጥርናፌ ክትሰርሑ’’
እዛ ብርኩታስ ደንጎላ ኣላታ
ምስ ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ደሎ ሩፍታ
ካብ ዉሽጡ ሑሩር ሃናጺ ነቔፌታ’’
ብሕማቕ ዛንቱኡ ዘይተነሰሔ.
(ጽቡቕ ክሰርሕ ኣይክእ
ልን)
ውዲት ኣሊሙ ንተሐኤ ምስ ፈንጠሔ
ኣርሐ ሳሕል ኮይኑ መንከማይ ዝጨረሔ
መተካእታ ሳሕል ስልጣን ብኢዱ ዝተማሰሔ
ኣየናይ ቅዋምዩ ቲ ንእኮ መዓልቲ ዘይሰርሔ
በየና ዓንቀጽዩ ናይ ፖለታካ ኡሱራት ዝፈትሔ’’
ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ
ብሐይሉ ስልጣን ካብ ህዝቢ ዘሕደገ
ኣየናይ ቅዋምዩ ቲኣብ ከብሒ ዝኣረገ’’
ጀ.ሰሚዖም ዝብህርሩ
ግን.ፍን.ሰሚዖም ዝግብሩ
ለውጢ ሰሚዖም ዝሽቚረሩ’’
ገዳይም ኮነ ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ
ንቃልሲ ንድሕሪት ካብ ትጎቱ
ንህዝቢ ኤርትራ እቅሬታ ሕተቱ
ቆስሊ ኣውዲቑ ምስ መረጸ መራሕቱ
ድሕሪ 30 ዓመት ከስተማቕሮ ንነጻነቱ’’
እዚ ኸ እንታይ ኣምጽኦ
ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ
ንሐመድ ከ ድጉሪ የውጽኦ’’
ንተደጒሉ ዝጸንሔ ሐዊ ንምትግባር
መጻዋዕታ ንትንሳኤ ህዝባዊ ግንባር ነበር
ክንዲ ንመራሕቲ ህግደፍ ተሐተቲ ምግባር
ምስ ላዕለዋት ካድራት ንስራሕ ብተግባር’’
ተጸሚምናኩም ብዓቕሊ
ንተሐኤ ንምጥፋእ ኣብ ገድሊ
ሰዓብቲ ኢሰያስ ነርኩም ትማሊ
ኢዱን ነቲ ተበዲሉ እቕረ በሃሊ’’
ንባርነት ኣይተበጀዉን ሰማእታተ
ትማሊ ዋህዮ ሎሚ ባዶ ሰለስተ
ንሕና ንሱ ጸረ ንመሰሉ ዝሐተተ’’
ጽገና ድሕሪ ማይ ናብ ባዓቲ
ከም ሰብ ዝንቃሳቐሱ ብመዓልቲ
ናብ ዝብኢ ዝቕየሩ ብለይቲ
ን30 ዓመታት ግዝያዊ መንግስቲ’’
ኣብ ዓለም ወዲ ሰብ ኣይነብርን ታሪኽ ዩ ነባሪ
መጸዋዕታ ንስኒት ዕድል ኽንህቦ ንህዝባዊ ፍቕሪ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ ኤርትራዊ ምድሪ
ኣስላምና ክስታና ኢና ወነንቲ ሰማያዊ ቀይሕ ባሕሪ
እዚዩ ለበዋ ካብ ሰማእታትና ዝተቀቐበልናዮ ሕድሪ’’
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃዳ ህግደፍን ዓገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን’’28 01 2022።