በብእዋኑ ዝካየድ አኺባ ፈጻሚት ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መግለጺ

ብመንጽር’ቲ ኣብ ዓድና ኤርትራ ዘሎ ቅልውላው ኩነታት፡ ከምኡ’ውን ከም ውጽኢት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዝኽተሎ ዝነበረ ጃንዳዊ ፖሊሲታት፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ንህዝብና ሰብኣውን ሃገራውን መሰላቱ ኣብ ምምንዛዕ ተዋፊሩ‘‘ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ መዓልቲ፡ብገባቲ ብፖሊሲታት ሃገር ብዘይ ህዝባ ባዶ ምግባርን ብግዴታዊ ናይ ምልመላ ወፍሪታት ይቕጽል ኣሎ፡ካብ ዶባት ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ከንቱ ኲናት ንምጥሓል ንኣሽቱን ዓበይትን ዘይብል፡ብፋሽሽታዊ ጉጅለ ህዝብና  ሃገራዊ መሰላቱ ተጋሂሱ ከም ዝሃድም ይገብሮ፣ኣብ ርእሲ እዚ ግደ ማእሰርትን ቅንጸላታትን ይኸውን።እቶም ካብ ኣካይዳን ኣሰራርሓን እዚ ጉጅለ  ብዘይ ገበናት ዝሳቐዩ።ካብዚ ዘሕዝን ምሕደራ ነጻ ንምውጻእ ብጽንዓትን ቆራጽነትን ኣብ መትከላት ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተመርኮሰ፡ካብ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህዝብና ብዋጋ መስዋእቲ ሐራ ክወጽእ ምዃኑ ጸብጻባት ሂቡን ገምጊሙን ፈጻሚት ሽማግለ ኣብ ዝሓለፉ ኣኼባታቱ ዘመዝገቦ መደባት ንኢዱ።

ዋላ’ኳ መድረኽ ተቓውሞ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ተሪር ኩነታት እንተሃለወ፡ ሕጽረትን ዓቕምን ዋሕዲ ናይ ተቓወምቲ ባእታታት ይሃልዎ እንበር‘‘ ውደባ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ኣድማዒ ህላወ ፈጢሩ፡ንሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ፕሮጀክት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምዕዋት ኣሕዋትን ፈተውትን ህዝብና ንዝነበሮ ባህጊ ንናጽነትን ሰላምን ልምዓትን ንምዕዋት፣ ንቃልሲ ህዝብና ክጣበቑን ክድግፉን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣እዚ ባህግታት እዚ ንሃገራትን ንህዝብታት እቲ ዞባን ሰላምን ምርግጋእን መኽሰብ ዝውክሉ እዮም፣ ዘይከምቲ ሎሚ ኤርትራ ትነብረሉ ዘላ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጉጅለ ኢሳይያስ ፈወርቂ፣ዘይኮነስ ንባህግታት ጋህዲ ንምግባር እዩ።

ብፍላይ ኣብተን ካብ ጭቆና ጉጅለ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሃዲሞም ኣብተን ዕቝባ ዝሐተቱለን ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዘትዩን ተዘራሪቡ።ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቑዓት ዘለዎም ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ ብግዴታ ተመሊሶም ናብ ማእሰርት ከይኣትዉ፡ዓቢ ታራ ክጻወቱ እቲ ኣኼባ ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ኣብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፉ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፋይል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓቢ ኣቓልቦ ክህቡ ጸዊዑ።ቀጺሉ እቲ ኣኼባ ንኹነታት ተቓወምቲ ኤርትራ ብምግምጋም ሐድነት ፈጢርካ ንምውዳቕ ጃንዳ ህግደፍ ዘቃላጥፍ ብኹሉ ኣጋባብ ቃልሲ ምጥቃም ኣድላይ ምኾኑ ኣስሚሩሉ‘‘ ተቓወምቲ ግንባር ሐርነት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ መጻኢ ኤርትራ ሓቀኛ ሃገራዊ ምርጫ የካይዱ‘‘እቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ካብ ህዝቢ ዝወስዶ መሬት ናብ ዋናታቱ ክምለስ ብርክት ዝበሉ ውሳኔታትን ለበዋታትን ወሲዱ።

ኦ ሓፋሽ ህዝብና – ኣሕዋትና – ፈተውትና፤–

እቲ ኣኼባ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ከባቢና ዝተፈጠሩ ፍጻመታት፡ ንማንም ዘየገልግል ሓደጋታት ሳዕቤናቱ ኩሉ ሰብ ክእርም ግድን ዝገብሮ፡ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወረደ፡ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ዝተዓዘብናዮን ደው ኢሉ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ኣካል ናይተን ነዳዲ ዝህብኦ ውድባት ነበረ። በዚ መዳይ’ዚ ኣብ መንጎ እቶም ውድባት ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ዘተ መንፈስ ብምንኣድ፡ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ተስፋ ብምግባር፡ኣብ ስምምዕ ሰላም ብምብጻሕ ነመጉስ።ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ሓው ሱዳን ኣብ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ተመሳሳሊ ትርኢታትን ትራጀዲታትን ምድግጋሙ ዘሕዝን እዩ።ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ኣኼባ ኣብ ቅድሚ ስቓይ ሓው ህዝቢ ፍልስጤምን በቲ ጽዩፍ ጎበጣ ሰፈራ እስራኤል ዝሳቐዮምን፣ ውጽኢቱ ድማ መንፈሳዊ ቅድስነቶም ምጽላምን ሰፈራታት ፍልስጤማውያን ምህናጽን ደው ኢሉ።እቲ ኣኼባ፡ መንፈስ ሰውራ ፍልስጤም ነዚ ተግባራት ኣብ ምግጣም ንኢዱን.ምስቲ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ፍልስጤም ብመትከል ደው ምባሉን ኣራጋጊጹ።

ፈጻሚት ሽማግለ

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ግንቦት 2023

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print