ብምኽንያት ዕረፍቲ ብጽእ ወ ቅዱስ ኣቦና ኣንጦንዮስ’’ብሽም ውድብና ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ’’ነዚ ዝሐለፈ 15 ዓመታት ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሑ ሳልሳይ ፓትርያክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ’’ብጹእ ኣቦና ወ ቅድስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሎሚ ረቡዕ 09 ለካቲት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምዕራፎም መሪር ሐዘና ንገልጽ።
ንብጽእ ኣቦና ኣንጦንዮስ መንግስተ ሰማይ’’ወየ ኣብ ሰማይ’ ዕረጋ ንብዓተይ’’ወየ ወየ ይብል ኣለኹ ምስ ብጾተይ’’ቃል ኣምላኽ ረቢ
መዓስ ዓጺፎም’’ኣሰር ኣቦና ሐጂ ሙሳ ሲዒቦም
ጳጳስና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓረፎም።
ኣባ ኣጎስቲኖ ዝፈለጥዎ ምዃኑ መታልርሊ’’ንሸኽ ንቀሺ ንሊቃውንትን ዝበልዔ ኣብ ገድሊ’’ጋኔን ከም ኣቦሐጎታቱ ጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ ዘይደሊ’’ንብጽእ ኣባ ኣንጦንዮስ ኣምላኽ ይቀበልኩም ብላዕሊ’’
ኣቦና ኣንጦንዮስ ዓገብ እንበር ስለ ዘይበሉ’’ኣሜን’’ ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ምስ ሰዓብቱ ጋኔን’’ኣነየ ኣብ መስጊድ ኣብ ቤተክርስቲያን’’ዝበለ ልዕሊ ረቢ ኣምላኽ ዘለኒ ስልጣን’’ ሸኻትና ኣቕሽትና ሰብ ታሪኽ’’ዝበሉ ንኣምላክ እንበር ንሰብ መዓስ ነምልኽ’’ንረብና ኣሚኖም ዘይበሉ ስኽኽ።
ብሽም መላእ ውድብና ተጋድሎ ሐርነት’’ንህዝቢ ኤርትራን ንስድራ ቤት ኣቦና ብጽእ ወ ቅዱስ ኣንጦንዮስን ጽንዓት ይሃብኩም ንንብል።