ቶጎሩባ 1964 ሐበን ታሪኽ ጀጋኑናን ህዝብናን

ወርሒ መጋቢት 64 ቶጎሩባ ሐበን
ታሪኽ ጀጋኑና ገና ኣይተገለጸን
ኣብ ዘበነ ህግደፍ ህዝቢ ኣይቀሰነን’’

ብጀጋኑ ሰራዊት ሐርነት
ብ15 64 ወርሒ መጋቢት
ዉሑዳት ዝገጠሙ ንብዙሐት
ክብሪ ኣብታ ታሪኻዊት ዕለት
ንዝተፈለዩና ብመስዋእትነት’’

ብዓወት ቶጎሩባ ምስ ሰንበደ
ብትእዛዝ ሃጸይ ህዝቢ ተሐረደ
ሕነ ክፈዲ ንዓድታት ኣንደደ’’

እዚ ኩሉ ከፊልናስ ኣይከሰርናን
ብኢዱን30 ዓመት ዝወነነ ስልጣን
ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ሂብዎም ፍናን’’

ዕላማ ብልጽግናን ህወሐትን ቢኢሱ
ኢትዮጵያዊያን ዘይባሕሮም ክወርሱ
ብሕልሚ ኣብዘይ ባሕሮም ይሕብሱ’’

ዕንቅፋት በዚሑ እንበር ንርስቱ
ከም ትማሊ ህዝቢ ኤርትራ ዋሕሱ
ኤርትራዊ ወደባት እዚዩ ምልሱ’’

ብዘበን ሃይለ ስላሴየ በሎው በሳንጃ
ሳንጃው ሲ ሰበር
በጥልያን ግዜ ምንብሎው ነበር
ብዘመነ ብደርጊ እንቢ ያለ ሶው
ጥይት ኣግርሶዉ’’

ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ከፊሉ
ብጅግንነት ነጻ ምስ ገበረ ንሃገሩ
ብጭፍራ ህግደፍ ወዲ ሃገር ሐሲሩ
ን30 ዓመት ፍትሒ ሐሪምዎ ቆሪሩ’’

ነዚ ኣይወደቑን ጀጋኑ ቶጎሩባ
ህዝብና ክነጋላግሎ ካብ ጸበባ
ካብ ናይ ጭፍራ ህግደፍ ዓጸባ
ሰላምን ቅሳነትን ክዓስሎ እንዳባ
ደም ጀጋኑ ዩ ፈሲሱ ኣይኮነን ጸባ’’

ወርሒ መጋቢት 64 ቃልኪ ሃቢ
ንማፍያዊ ጉጅለ ዝነብሕ ከም ከልቢ
ቆላን ከበሳን ኑኡስ ይኹን ዓቢ
ቆጽሊ ዘይወደቆ ብናይ ኤርትራ ህዝቢ
ንፋሽሽታዊ ህግደፍ ኣይንግዛእን እንቢ’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅብዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን’’15 03 መጋቢት 2022።

 

 

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print