ንዝኽሪ ስዉእ ጅግና ኣብ ፎርቶ ብ21 ጥሪ

ንዝኽሪ ስዉእ ጅግና ኣብ ፎርቶ ብ21 ጥሪ

ሐርበኛ ኣይነብርንዩ ታሪኽዩ ነባሪ

ኤርትራ ዓደይ ታሪኽ ጅግና ወዲ ዓሊ ንገሪ”

ወዲ ዓሊ ሐደ ካብቶም ንዓሰብ ዘድሐኑ

ንተሃንዲዱ ዝመጸ እህወድግ ርእሱ ዘድነኑ

ንምክልኻል ሐይልታት ዝመርሑ ጀጋኑ’’

 

ጭርሖ ስዉእ ጅግና   ኤርትራዊ እየ

ትም ኣይብልን መሰል ህዝቢ እንዳ ተጨወየ

ሕጂ ውን ድሉው የ ክንዲ ንህዝበይ ክብጆ

ሕድሪ ጠሊመ ሕልና የብለይን ክቋናጆ’’

ውጽእ ማዓት ካብቲ ደማዊ ገድሊ

ንዓሰብ ኣየረክብን ዝበለ ትማሊ

ንፍትሒ ከንግስ ንዓለም ኢልዋ ደሐን ወዓሊ”

 

ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊ ሕጃይ

ንምልኪ ኣይተቃለሰን ህዝበይ

ንለውጢ ክኸፍል የ ሂወተይ

ኣብ ዓውዲ ኲናት ነሩ ወ ቀላሳይ

ከም ገንሸል ኣሕሊፎም ሂቦም በዓል ካሕዳይ”

ኣይክሰርናን ዝበለ ኣፍ ልቡ እንዳ ሃረመ

ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዓንዩ ዩ እንዳ ደጋገመ

ምስ ኢትዮጵያ ክድምረና ኣንጊሁ ዝዓለመ”

ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊ ሕጃይ

ኣብ ልቢ ሰብ ሕልና ሐወልቲ ኣለካ

ኤርትራ ሃገርና ቀላሳይ ትደሊ ኣላ ከማኻ

ደጋጊምና ብዓውታ ነቃልሖ ኣለና ንሽምካ”

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ”ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና”ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ኣበደን ኢንበደ ህሌና” ኣለና ኤርትራ ንኤርትራዊያን ዝጭርሖና’’ብኣባ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print