አዋናዊ ስሩዕ አኺባ ፈጻሚት ሽማግለ ተሓኤ

جبهة التحرير الارترية
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ERITREAN LIBERATION FRONT

اللجنة التنفيذية لجبهة التحرير الارترية
ፈጻሚት ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

አዋናዊ ስሩዕ አኺባ ፈጻሚት ሽማግለ ተሓኤ 2022
ጽኑዓት መሰረታትን እሙናት ደገፍቲ ህዝቢ ኤርትራን’ነቲ ኣብ
ዛባና ዝረኤ ዘሎን ዘለዉን ዓበይቲ ምዕባሌታትን ቅልጡፍ ፍጻሜታትን’’ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ቃልስና ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ነዚ ምዕባሌታትን እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ፈጻሚት ሽማግለ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኣ ኣካይዳ።እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብቲ ዞባና ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብፍላይ ከኣ ምስ ጉዳያት ኤርትራ ዝተታሓሓዘ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘምጽኦ ሳዕቤን ህይወት ሰባት ዝቐተለን እቲ ዝሓደጎ ዕንወትን ሳዕቤናቱን’’ ክሳዕ ሕጂ ይርአ ከም ዘሎ ውን ገምጊሙ።ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዚገዝእ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ዝወሰዶ ግሁድ ጣልቃ ምትእታው ኮኖኖ’’ እዚ ድማ ንደቂ ህዝብና አብ ጥቅሚ ዘይብሉ ውግእ ከም ዝኣቱ ብምግባር እዚ ኸኣ ቅዱስ ዘይኮነ ሞት ናይ እነፍቅሮም ደቅና ደም ምፍሳስ ኣስዒቡ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ኣኼባ’’ ብሞት ብዙሓት ኤርትራዊያን ተሐታቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ምዃ ኣስሚርሉ።ብዘይፍትሓዊ፣ጣልቃ ምትእትታው ጭፍራ ህግደፍ’’ንህዝብን ንሃገርና ዘጋጠመ ዕንወት አብ ዝኽፈኤ ኮንታት ተሸሚማ ትርከብ።ንኤርትራ ንህዝባን ከምኡ ውን ንሃገራውያን ተቃለስቲ ከም ዘይውክል ንሃገርን ህዝብን ነቲ ብስርዓት ውልቀ-መላኺ ኣብ ጉዳያት ጐረባብቲ ሃገራትን ህዝብታትን ግሁድ ጣልቃ ምእታው ዘስዓቦን ዘምጽኦ ሳዕቤናትን ሓላፍነትን ክጾርዎ ከም ዘይክእሉ ኣስሚሩሉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቲ ኣኼባ ነቶም ተፈላልዮም ዝርከቡ ጉጅለታት ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ምዝርራብ ቋንቋ ክፈርዱን ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጽል ዘሎ ደም ምፍሳስ ደው ከብልዎን ንሽግራቶም ብዘተ ክፈትሕዎ መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎምሎም።
(ኦ ተባዕ ተቃልሳይ ህዝብናን ውፉያት መሰረታትን)
እቲ ኣኼባ ነቲ ውድባዊ ኩነታትን አብኡ ዝቐረበ እተፈላለየ ንጥፈታት ጸብጻብ ገምጊሞም፡ ከመኡ ውን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብሕግታትና እተራእየ ፍልጠት ተጻዋርነት ስራሓትን ኣወንታዊ ምቅርራብ ጭንፈራትናን መሰርታትናን ኒኢዱ’’ ፈጻሚት ሽማግለ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ነቲ እተረኽበ ዓወታትን ስረሓትን ዕጽፊ ኽንገብሮ ምስ ውልቀ-መላኺ ጨቋኒ ስርዓት እንገብሮ ቓልሲ ንክንዳሎ መጸዋዕታ ኣቅሪቡ።ኣኼባ ብዛዕባ ዅነታት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራውያን ተንኪፉ’’ነቲ ናይ ቃልሲ ደረጃታትን ናይ ሓደነት ተመክሮታትን መርሚሩ።ናይ ኤርትራውያን ተቓውሞ ሓድነት አገዳሲ ዓወት ክም ዝኾነ አረጋጊጹ።
ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ጽላል ከም ዝደልድልን ከም ዝሰፍሕን ንምግባር’’ ውን ንእተፋላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ሃገራዊ ምይይጥ ምግባር ኣወንታዊ ሃዋሁ እዩ’’ ምእንቲ ነቲ ስርዓትን ዕላማኡን ኣብ ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብታትን ብተደጋጋሚ ጣልቃ ብምእታው ንህዝብና ጸላእቲ ብምብዛሕ ንሃገራዊ ልእላውነት ኤርትራ ዘስግእ’’ቀንዲ ስግኣት ጥራይ ዘይኰነስ’’ነቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ንህዝብና ዘጋጠሞ ተጻቦኦታትን ንሰብኣዊ መሰላት ዝጠሐሰ ጭካነ ዝመልኦ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ንምምሓው።
ተባዕ፥ተቃልሳይ ህዝብናን ውፉያት መሰረታትን፡ኣዕሩኽ ንፍትሐዊ ቃልስናን።
ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኣስመራ ምምሓው ናይ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራውያን ተቃልስቲ ውድባትን’’ምርግጋጽ ዕማም እኳ እንተ ኾነ’’ንኣሕዋትን ፈተውትን ህዝብናን ደገፍቲ ዲሞክራስያዊ ቃልሲናን ነቲ ኩሎም ክፋላት ህዝብና ንመጻኢ ዕድላትቶም ብነብሶምን ድልይቶምን ዝውስኑሉ ቅኑዕ ስርዓት ንምምስራት እንገብሮ ቓልሲ ሓገዛቱም ክገብሩልና ነማሓጽኑም።
ኤርትራ ውን ኣብቲ ዞባ ናይ ርግኣትን ሰላምን ናጽነትን ማዕርነትን ኣወንታዊት መወከሲት ምእንቲ ኽትከውንን’’ ነቶም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘለዉ ደቅን ተጋደልትን ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ሃገራዊ ተመክሮኡን ነቲ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ፕሮጀክት ዕዉት ክኸውን’’ ከም ዝኽእል ዝኣምኑ ሰባትን ንተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ደገፎም ክገብሩልና ንላቦ። ኣኼባና ነቲ አብ ዞባና ዘሎ ብውግእን ዘይምርግጋእን እተሳቐየ ንዝሳቀ ዘሎ አህዛብ’’ ድሕንነትን ሰላምን ርግኣትን ክሳፍንን ይምነየሉ።ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ንዲክታተቶራዊ ውልቀ-መላኺ ስርዓትን ምግልባጥን እንገብሮ ዕዮ ቃልሲ ብዚግባእ ክንፍጽሞ ዚሓትት ኣብ መንጎ መሰረታትን ጭንፈራትን ተጋድልትን ዘሎ ቃልሲ ክውስኽ በብደረጃኡ ዝስጉም መደባት ኣማዕቢሉ።

ተ.ሓ.ኤ ፈላሚት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዘላዓለም ትንበር’’ እነካይዶ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራስን ሰላምን ክዕወት እዩ’’ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ሕፍረትን ስዕረትን ንውልቀ መላኽን ጃንዱኡን‘’ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን’’ ደምዳሚ ኣዋጅ ፈጻሚት ሽማግለ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ 2022

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print