ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ሕድርኹም ንምትግባር ንቃለስ ኣለና
ብቅዋም ብሕጊ ክማሕዳደር ህዝብና’’

ብ91 ዕልልታ ኣብ ኤርትራ ኣንጎድጒዱ
ንሑሉፍ ንጥልመትን ክድዓትን ንጎኒ ሐዲጉ
ኣብ ድያስፖራ ውን ናይ ሐጎስ ነጎዳ ነጒዱ
ን31 ዓመት ኢሰያሳዊ ጉጅለ ነጊሱ ብኢዱ
ንህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ ሐዊ ኣኣጒዱ’’

ብጀጋኑ ሰማእታትና ኣይትዋራዘዩ
ንሃገርን ህዝብን ተበጅያ ተበጅዩ
ብኤሊት ኢሰያስ መሰል ተጨውዩ
ንዝንኡ ብሐሶት ንህዝቢ ስለ ዘጋገዩ’’

ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ፋሽሽቲ
ን31 ዓመት ግዝያዊ መንግስቲ
ህዝቢ ኣየዕረፈን ካብ መስዋእቲ
ንዘቲ ብእዋኑ ክንግበረሉ መዕገቲ’’

ብህዝቢ ቆጽሊ ዘይወደቖ ኣርዮስ ተሸሙ
ህዝቢ ኤርትራ ብመራሕቲ ግንባር ጠሊሙ
ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተርፍዩ ምጽብጻብ
ንህዝቢ ኤርትራ ኣድሒና ክንገብር ሕሳብ’’

ኣይከሰርና ምስ በለ መን ዝጓሃየ
ገለን እንዳበለ ደላይ ፍትሒ እየ
ንሐደ ዕላማ ክንዲ ብስኒት ንጉየ
ምፍልላይ ደኣ እንታይ ኣድለየ’’

ብ91 ዕልልታ ኣንጎድጒዱ
ኣደታት በላ ኣይትሐዙኒ
ኣቦታት ደበሉ ብዘይ ሳእኒ
ደቀይ ሐራ ኣውጺኦምኒ
ብኢሰያስ ዝግዛእ ዶ መሲሉኒ’’

ጉጅለ ህግደፍ ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ
ኣርዮስ ሐደ ህዝቢ ኢና ክብል ዘይሐፈረ
ተቃውሞ ደንበ ምውሳን ሲኢና እንበረ
የምሕረሉ ዶ ዓመት መጸ ብስዉኣት መደረ’’

ብተቃወምቲ ብዙሕ ተጻሒፉ
ግብሪ ዘይብሉ ዓመታት ሐሊፉ
ኩሉ በብወገኑ ህንጻ ሕጊ ነዲፉ
ኣብ ሐደ ጽላል መዓስ ተጥርኒፉ’’

ንኣንድነታዊያን ኣይንሃቦም ቦታ
ኤርትራ ዓወታ ኣብምሉእ ሐድነታ
ምፍልላይ ያኣክል መጸዋዕታ ንደቀባታ
ሽዑ እዮም ዝኸብሩ ጀጋኑ ሰማእታታ’’
ኣበይ ኣሎ ጅግና ዋዕሮ ጓል ኤረይ ኣበየ ኣላ
እቶም ውጻእ ማዓት ዝተርፉ ሰንኪሉ ሰንኪላ
ምቑዛም ያኣክል ኣብ ሕንብርታ ዘሎ ሐበላ
ኤርትራ ምስ ህዝባ ቀሲና ክትነብር ንእለየላ’’

ምቁዛም ገዲፍና ወሰንቲ ንኹን
ንጀጋኑ ሰማእታትና ክነቕስን
ጀጋኑ ተወጊኦም ዓዕ እንዳበሉ
እዚ ህዝቢ ከይነብር ተበዲሉ
ብደሞም ጽሒፎም ሐደራ ዝበሉ’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 20 06 2022።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print