ዕላማ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ
(ንውዲት ኣይዕድም ንጣልቃ)
ሐቀኛ ለውጢ ብኤርትራዊያንዩ ዝመጽእ
ሐጋዚኣ ዝረኣየት ባርያ መዲዳ ትሐብእ
መንድዩ ንዘይ ባሕሮም ዝምነዩ ኣዛብእ
ንጅቡኡ ከህጥር ታሪኾም ዝሐብእ’’
ዕንበባ ምጽምጸ ምጽምጸ
ክንደይ ኣሎ መምስ ዝመጸ
ኣብዘይ ዳሱ ዝቋጻጸ’’
ብሕብሮ ዝለዋውጡ ከም ነፋሒቶ
ኣንፈቱ ሲሒቱ ናይ ሐርነትና ሕቶ
ንህዝቢ ኤርትራ ክንዲ ነድሕኖ ክነጽንቶ
ኣብ ውግእ ኢትዮጵያዊያን ጣልቃ ንእቶ’’
ካብ ግብሪ ኣርማታት ዘብዝሑ
ኣይሰርሑ ኣየስርሑ
ኣይመርሑ ኣይምርሑ
ንጥፍኣት ዓደቦ ዘቃልሑ’’
ከም ቲ ጉጅለ ፋሽሽታዊ
ኣታ ምስ ህወሐት መሻረዊ
እንታይ ጉድካ ኤርትራዊ
ንህዝብኻ ትኣጉደሉ ሐዊ’’
ያኣክል ንብዓት ሐርገጽ ምንባዕ
ኣታ ብህዝቢ ኤርትራ ትጣላዕ
ንየማን ንጸጋም ትብል ቀልባዕባዕ
ድጉል ምስጢርካ ጽባሕ ይቅላዕ’’
ኢሰያስ ዝመራሒኦም ጭፍራ
ውዲት ምስ ጉጅለ ኣምሐራ
ንህወሐት ክብል መሬት ዝዓረቦ
ንንፋስ ዘእቱ ዲል ኣይንሃቦ’’
ወጊሑ ክሳብ ዝመሲ
ሐደ እዩ እቲ መልሲ
ብህዝቢ ክዕወትዩ ቃልሲ’’
ኣታ ንውዲት ዓዳሚ
ካብ ዝብኢ ዶ ዓጽሚ
ጌጋ እዩ ቲ ሕልሚ’’
ኤርትራ ንኤርትራ ይኹን ጭሮሖና
ከም ህግደፍ ውዲት እንተ ኣሊምና
ክቢድ ዋጋ ከይነኽፍሎ ንህዝብና’’
ተመኩሮ ናይ ፈዳይን ኣሎና እንዶ
ንስለያ ህግደፍ ኣብ ከተማታት ክንስጉዶ
ዉሑድ ዋጋ ከፊልና ብሕጊ ክንፈርዶ’’
በዚ ኣረማዊ ጉጅለ መልሐሱ ዕረ
ክብሪ ኤርትራዊያን እንዳ ተደፈረ
ክብ ተባህለ ኣብ ጉዳይና እንተ ነተኩረ
ጉጅለ ህግደፍ ኣይምወዓለ ኣይምሐደረ’’
ንህግደፍ ባዕልና ክንዲ ንተሐሐዞ
ናይ ባይቶ ያኣክል ብውዲት ጉዕዞ
ከም ጉጅለ ኢሰያስ ሕማቕ ምህዛ’’
ኣብዘይ ደምካ ኢድካ ዘይምእላኽ
ኣሰር ሰብ ሐደ ዕላማ ዘይምውካኽ
ያኣክል ንጽባሕ
ዋጋ ዘኽፍል ስራሕ ካብ ምስራሕ’’
ነስመራ እንተ ዘይኣተኹ ኣይትግራዊይንየ
ንኣንጊሁ ንኤርትራ ክወርር ዝተነበንየ
ከም ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይቆጽሮንየ
ሕልናኡ ዘይተጸንቀቐ ኤርትራዊ እየ’’
ኤርትራና ቆላ ምስ ከበሳ
ተ.ሐ.ኤ ውዲት ኣይትኣምን ሻራ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ
ካብ ህግደፍ ብህዝባ ክትከውን ሐራ
እዚዩ ዕላማ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ’’
ኤርትራዊ ወደባት ኣብ እንባ ምስ ዓረደ
ሐዲኡ ሎ መኻን ኣይኮነትን ኤርትራዊት ኣደ
ሻዓብ ኤርትራ ህሌና ኢንበደ ኢንበደ’’
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’ ገጣሚ ኣባል ተ.ሐ.ኤ