ዝተጨወየ ናይ ስዉኣት ሕልሚ
ሰማዒ ስለ ዘይረኸብኩ ዓሚ
ኣብ ትማሊ ኮይነ ክዛረብ ሎሚ
ስለ ዝተጨወየ ናይ ስዉኣት ሕልሚ
ንሸርሒታቶም ክንገብረሉ መዛዘሚ’’
ሐተታ
ኤርትራ ንጹዩ ዶባታ
ዲል ሂብናዮም ንወረርታ
መን ሐቲትዎም ንደቀባታ’’
ኣይትብዝሑ
ኣይኮነን መርገም ኣይትርብሑ
ንተሐኤ ብውዲት ምስ ፈንጢሑ
ህዝብና ኤርትራ ይነብር ኣሎ ተሞቚሑ
ካብ ዝሐለፈ ውዲት እንታይ ረቢሑ’’
ዕጫ መንእሰያት ኤርትራ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ
ብሕጊ ጫካ ህግደፋዊ ጭፍራ
ካብ 94 ክሳብ ሎሚ ን31 ዓመት
ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መከራ’’
ነዛ ሃገር ጥራያ ከትርፋ ብግፋ
ንኤርትራ ሃገርና ኩሉ ዝሃርፋ
ዓዲ ጀጋኑ ብመከራን ጸበባን ሐሊፋ
ብጉጅለ ህግደፍ ዶ ክፍታሕ ቁልፋ’’
ህዝብና ልኡላውነት ናይ መን ተንኪፉ
ን31 ዓመት ኡፎይ ኢሉ መዓስ ኣዕሪፉ
ሰኣን ስኒት ንኢትዮጵያ ክህበና ኣሕሊፊ’’
ንሱን ሰዓብቱን መዳናገርቲ
ትእዛዝ ዘማሐላልፉ ካብ ባዓቲ
ህግደፍ ከለዉዶ ጽሩይ ማይ ትሰቲ
ን31 ዓመት ውግእ ምስ ጎረባብቲ’’
ኣበይ ደኣ ነርካ ዓሚ
ካብ ትማሊ
እንተ ሐሸይሐ ሎሚ’’
ንህዝብና ብውግእ ኣዳኺሞሞ
ግፋ ሎሚ መዓስ ጀሚሮሞ
ንህዝቢ ብምግፋፍ ኣጽኒቶሞ
ንደመኛ ዓደቦ ዕድል ሂቦሞ’’
ዓሻ በጊዕ ምስ ተኹላ ዕርክነት
ንደቀባት ኤርትራ መታን ከጽንት
ህወሐት ትማሊ ፈታዊቱ ዝነበረት
ኣብ ሕጂ በጺሐ ዶ ጸላኢቱ ኮነት
ምስ ሸጣን ኣይንደልን ምሕዝነት’’
ስላም ክስታን መታን ክንፋላለ
ጸረ ደቀባት ፈታዊና እንዳመሰለ
ደቂ ሃገር ብቆላን ከበሳ ንክንፋላለ
መናውሒ ዕምሪ ፋሽሽታዊ ጉጅለ
ኣግኣዚ ኣበይ ተኣሊሙ ኣብ መቐለ’’
ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ክነብር ንምጻኢ
ንዘይርስቶም ዝምነዩ ኣይንደልን ጸግዒ
ምስ ህዝቢ ትግራይ የብልናን ጽልኢ’’
ንሐቂ ዝበልክዎ ዝዛረብ በርሀ
ንሐሶት ሐሲት ዝበልኩ ኣንጊሀ
ኣብ ከብዲ ኣደይ ዶ ክኣቱ ፈሪሀ’’
ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ
ንህዝቢ ኤርትራ ክርምሱ
ናብ ኢትዮጳያ ክመልሱ
ንዓመታት ዝተቃለሱ’’
ንከፋቕር እንበር ንከባእስ ኣይኮንኩን ገጣሚ
ከም ትማሊ ኣብ ትማሊ ኮይነ ክዛረብ ሎሚ
ኣህዛብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓይንኻ ክፈቶ
ህግደፍ ህወሐት ብልጽግና ከየጥፍኡና ንኾንቶ’’
ቃልስና ብህግደፍ ዝተመንዘዔ መሰልና ክንመልሶ
ንሕጊ ኣልቦ ፋሽሽታዊ ኢሰያሳዊ ጉጅለ ክነስፍሶ
ብቅዋም ዝምእዘዝ ህዝቢ ስልጣን ዝሃቦ ክወርሶ
ዶባትና ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሐጎስ ክማላለሶ’’
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ገጣሚ ኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 26 ጥቅምቲ 2022