ጋዜጣዊ መግለጺ፤

ጋዜጣዊ መግለጺ፤

መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ኢትዮጵያ ብዓቢ ተገዳስነት ክከታተሎ ጸኒሑ’ዩ፣ ድሕሪ’ቲ ስርዓት መንግስቱ ሃይለ ማርያም ካብ ዝግልበጥ ንደሓር ገዛኢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝጸንሐ ኣካል ኤህዳወግ ዘጋጠመ ምስሕሓብን እዚ ኲናት’ዚ ብ4 ሕዳር 2020 ተላዒሉ። ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝሳተፉ ወገናት፡ ነቲ ደም ምፍሳስ ደው ከብሉዎ አብ ብዙሕ ግዜ ጻውዒት ከቅርብ ጸኒሒ እዩ።ፈጻሚት ሽማግለ ተሓኤ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃን ብተሳትፎ ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተጀመረ ድርድር ንገስጋስ ምክትታል’ውን ኣካይዳ። እቲ ድርድር ኣብ መንጎ  ኢትዮጵያውያን ስምምዕ ሰላም ብምፍራም ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ። ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ዓወት እንቋዕ ሓጎሰካ ንብል፡ ኣብ ኣመራርሓ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተወከሉ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ዕንቅፋታት ብምስጋሮም፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ዓወት ክዕቅቦ ድሕንነትን ሰላምን ከስተማቕር ብምምነይ ንንእድ ።ብኣንጻሩ ኤርትራዊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብዘይ ምኽንያት ናብዚ ኲናት ምእታዉን ህዝብና ናብዚ ኲናት ምድፋኡን ካብ ኩሉ ኩነኔ ዝሓትት እዩ ምኽንያቱ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ከምዚ ዓይነት ኣዕናዊን ዘይ ሓላፍነታውን ኣካይዳኡ ደው ከብሎ ስለዘለዎ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ሃገራት ኢዱ ምእታው ከቋርጽ ኣለዎ።እዚ ጉዳይ ብፍላጥ ኩሎም ወገናት ኣብ ድርድር ዘይምልከቱ ዘገርም እዩ።በዚ ኣጋጣሚ ንህዝብና ኣብዚ ኲናት ዘሸመመ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብትሪ ንኹንኖ።ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸላኢ ሰላምን ምርግጋእን ምዃኑ ንጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን እውን ነረጋግጸለን።ስለዚ፡ መንግስታትን ህዝብታትን እቲ ዞባ፡ ነዚ ኣብ ጉዳይ ካልእ ሃገራት  ብግሁድ ኢዱ ብምእታዉ ዝገብሮ ዘሎ ፡ ንኤርትራን ህዝባን ዘዕነወ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ንምእላይ፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራን ተቓውሞ ሓይልታቱን ደው ክብሉ ።ሃገራትን ህዝብታት እዚ ዞባ ድሕነትን ሰላምን ዕብየትን ምርግጋእን ምእንቲ ከስተማቕሩ። ብተወሳኺ ንህዝብናን  መራሕቲ ሃገራዊ ውዳበታት ዘለዉ መሳርሕትን ሓይልታቶምን ጻዕርታቶምን ብምጥርናፍ ነዚ ስርዓት ካብ ሱሩ ንምምንቃስ  ስጉምቲ ንምውስድ ጻውዒትና ነቕርብ፣ እዚ ድማ ምዕራፍ ህንጸትን ሰላምን ፍትሒን፣ ቅዋማዊ ትካላትን አብ ሃገርና ንምትካል ን ሰናይ ጉርብትናን ዝምድናታት ምስ ጎረባብትና ንምጅማር ንጽውዕ።

ፈጻሚት ሽማግለ ግንባር ሓርነት ኤርትራ

7 ሕዳር 2022 ዓ.ም

 

 

 

 

 

 

 

 

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print