ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጋድሎ ኤርትራ
10ይ ሃገራዊ ጎባኤ 2019 ዓ.ም
መእተዊ ፡
ሰውራ ኤርትራ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝደነነት ዝይብነትስ ንኹሉ ብደሆታትን ዕንቅፋትን ሸርሕታትን ብምስጋርን ብምምካትን እያ ጉዕዞ ሰውራ ዝፈለመት፤ ነዚ ድማ ኢምፔርያል ሃይለ ስላሴ አብ ዘባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበሮ ሸርሕታት ነቲ ቓልሲ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዘፍለጠት ውድብ እያ። በዚ ድማ ውድብና ናይ ህዝብና መስተንክር ዝኸነ ዓወት አልቢሳ ትጓዓዝ ዝነበረት ውድብ እያ ፤ ን ሰውራና ምጥፋእ ድማ እንተላይ ምስቲ ዓቢ መኸተ ህዝብና ምስቲ ዝነበረ ናይ ዓለም ሐገዛት አቢሉ ብዙሕ ሸርሕታት እዩ ተጋይሩ ፤ ከም ዝፍለጥ ንጉስ ሃይለስላሴን ደርጊን ድማ በቲ ዝነበረ ናይ መድያ ጸልዋን ሰፈሕ ዝኸነ ወተሃደራዊ ምዝማት አብ ሱሳታት ዝተገብረ ዓቢ ብድሆ እዩ ። ከም ዝፍለጥ ናይ ኢትዮጵያ ንጉስ ሃይለስላሴ ምስ መሻርኸቱ ንናይ ሃገርና ቃልሲን ሓድነት ህዝብና ደምሲስካ ሰውራና ንምጥፋእን ምዕሳል ህዝብና አብቲ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ን ምውጋድ ዓቢ ወራር እዩ ተኻይዱ።ናይ ህዝብና ሕቶ ድማ ናጽነትን ካብ ብሄራት ጻዕቂ ናጻ ንምውጻእ እዩ ነይሩ።
እቲ ናትና ናይ ሰውራ ስትራተጂ ዝገብረ ድማ እቲ ቀንዲ ሃይማኖታዊን ዓሌታዊን ኩነታት ምጥፋእ ዝብል እዩ ነይሩ፤ ንሱ ድማ ናይ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ንምዕንቃፍ ዝነበረ ሸርሒንእቲ ፕሮጀክትን መትከላትን (ንሕናን ዓላማና) ሓደ ካብቲ ናአ ቶንኮል ዕላማ ነበር። እዚ ድማ ምስ ኤርትራውያን ዘይኮኑ ሐይልታት ጥምረት ጌርካ ቃልሲና ንምዕንቃፍን ናይ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ሐይሊ ንምንብርካኸ እዩ ነይሩ ፤ እቲ ውጥን ነዚ ድማ ቃልሲ ኤርትራ ብዝኸነ እዋን
አብቲ ማኸል ናይቲ ጅዮፖልቲካዊ ለውጢታት ካብቲ ዝሑል ውግእ ዝተበጋስ ፤ እቲ ዓለም ለኻዊ ሓይሊ ብቲ ዝነብሮ ጽልኢ ንሃገራዊ ዕላማን ድልየት ህዝብና ንኸይ ዕወት ውትሃድራዊ ኩናት ዝተአወጀ ስለዚ ድማ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ስለ ዝነበረ ነዚ ንምድኻም አዝዩ ብዙሕ ሸርሕታት ተገብረ ።እዚ ሸርሐታት ድማ ብናይ ወጻኢ ሐይልታት ዝተደረኸ እዩ ነይሩ ፤ እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መትከሉን መሰላቱን ከንቕነቕ ዓቢ ናይ ገዛ ዕዩ ዝኸነ ነዚ አዝዩ ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት ሰጊሩ ድማ ህዝብና ብዕለት 24 ጉምቦት 1991/ናፅነቱ ዓቲሩ እታ ዝሞተላ መሬቱ ሐራ ዘውጸኤ፡፡
እዚ ቃልሲ ኤርትራ ንመሰሉን ንናጽነት ኢሉ ዝጀመረ ብመረሐነት ሰውእ መራሒን ፈላሚ ሰውራን ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ምስ ብጾቱ ብመኳን ናብቲ ቃልሲን ሐቀኛ ሕቶ ህዝብናን ንምርግጋጽ እቲ ኩቡር ዝኾነ መስዋእቲ ንምኸፈል ዝተወጠነን ዝተጀመረን ከም ዝፍለጥ ህዝብና ናብ ዝመረጾ መትከልን ጠለብን ሒዝካ ብመረሕነት ምጓዓዥ አዝዩ ከቢድን መረርን ተጋድሎ ንምስጓም ሰራዊትና ምስ ሰውራና ዝተገደደ በዚ መዳርጊቲ ዘይብሉ ጅግንነትን ጽንዓትን ከምኡውን ምስቲ ዝነበረ ዋሕዲ
ተጋደልቲ ፈጺሙ ከይታዳህለ ነቲ ሰውራ መራሑ አብቲ ዘድልይ ሽቶ ዘብጸሐ መሪሕነት እዩ ክባሃል ኢሉ ምስ ታሪኸ ብዑዙዝ መዝገብ ዝተመዝገብ ። በዚ ምኸንያት ድማ ህዝብና ምስ ጀጋኑ ደቁ ብሙኳን ምስቲ መሪርን ነዊሕን ዝኸነ ቃልሲ ብምክያድ ነታ ወትሩ ዝህንጠያን ዝሐልማን ዝገበሬ ናፅነትን ክብርታት ንመሰል ህዝብን ክብል ቃልሱ ዘካየዳ ከይኑ ግን ተጋዳልቲን ህዝቢን ክብሪ ህዝቢን መሰላትን ዘለዋ ሃገር ንኸትህልዎም ሕልሚ ነይሩዎሚ ፤ እዚ ሕልሚን ትምኒትን ሐቀኛ እዩ ነይሩ። ነዚ እዩ ድማ እቲ ሰውራ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም ብዕሊ ዝፈለመ እቲ ሰውራ ድማ ብመሪሐነት ተጋድሎ ኤርትራ ቃልሱ ዝቐጸለ እቲ ቃልሲ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ድማ ብመሪሐነት ሰውእ እድሪስ መሐመድ አደም ፈላሚ እታ ሰውራ ኾይኑ ዝታበገስ ፤ በዚ እዩ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ናይ ህዝቦም ሕቶን ጠለብን አብ ሸትኡ ክበጸሕ ናብ ሜዳ ብምቅላስ አብ ትሕቲ ጸሐይ ቦታ ክትህልዎ ንመስልን ናጽነትን ቃልሲ ዘካየዱ። እዞም ደቂ ኤርትራ ድማ ብሐባር ብሙዃን ሰውራዊ ብድሆታት ንምምካት ዓቢ እጃም ዘበርከቱ ። እቲ ብኢትዮጵያ ተመንዚዑን አብ መግዛእቲ ዝወደቐ ህዝቢ ሐራ ንምውጻእን ሰብአዊ መሰል ንምኸባር ህዝባዊ ቃልሲ ዘካየደ። ነዚ መትከል ብምሐዝ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝርብብ መሬታት ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዝፈለመን ቃልሱ ዘካየደን ነዚ ኹሉ መበገሲ ድማ ከምቲ ዝተገለጸ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነትን ፍትሐን ስለ ዝኸነ እዩ ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሱ ዝቐጸለ። ነዚ መትከል ብምሐዝ እዩ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበረ ሰውራ ውዕውዕታ ምስ ውድብ ተጸንቢሩ ከምኡውን ምስቲ ዝነበሮ ናይ ናጽነት ሃንቀውታ ነቲ ቓልሲ ብመስዋእቲን ብተባዕነትን ሐቢሩ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ንኸቕጽል ዓቢ እጃም አበርኪቱ ። ከም ዝፍለጥ ሰውራ ኤርትራ ብዙሕ ዲሲፕሊን ዝነበሮን ተጋድልቲን ህዝቢን ድማ ሐደ ኢድ ብሙዃን እቲ ቓልሲ ዕውት ክኸውን ዝተገብረ፤ ነዚ እዩ ድማ ሰውራ ምስ ብዙሕ ጽንኩር ኩነታት ከይተዳህለ ናብታ ዝብህጋ ናጽነት ፍትሒን ንምርካብ ቃልሱ ብትብዓት ዘካይደ ። በቲ ዝነበሬ መግዛእቲን ባርዕ ሰውራን ድማ ህዝብና አካይዳ ስደትን ዕርቃንን ጥምየትን ዝኾነ ነቲ ዝደልዮ ፍተሒ ክብል ድማ እዩ እቲ መሪር ቃልሲ ዝቐጸሎ፡፡
ነቲ ዝነበረ መሪርን ከበድን ዝኾነ ሂወት ህዝብና ዘሕልፎ ዝነበረ ሰብኣውነቱ ዝተጓሃሰሱን ንኹሉ አመልኪቱ ፍረ ጻምኡ ወይ ካአ እቲ ዝግባእ ካሕሳ ዘይረኸበ ህዝቢ ኤርትራ አዝዩ አብ ግምት ዝተቐመጠ ኩነታት ህዝብና እዚ ኹሉ ምኸንያት አካይዳ ጥምየትን ጸቦባን አይግዛእን ስለ ዝበለ እዩ። እዚ ዘሎ ስርዓት ድማ ነዚ ኩነታት ከይተገደሰሉ ንህዝብና አብ ዝገዳደ ጻዕቂ ሂወት አእትይዎ ይርከብ።
አብቲ ግዕዞ ቃልስና ንንናጽነት ካብ መንገዲ ረኺብካ ንቶም ዝተፈናቅሉ ከሒስካ ናብ ብታአኦምን ገጠራትም ምምላስ ካብ ታሪኻዊን ሕጋዊን ዝኾነ መሰላቶም ተሓሪሞም አብ ቅድሞም ብዙሕ ዕንቅፋት ፈጢርካ ን ኸይምለሱ ገዲድካ ክም ሰድታኛ አብ ሃገሮም ኮአይኖም ክነብሪ ዝገደድ ጸባብን
ጨቐናን ፈጢሮምሎም፤ከም አብነት ንምጥቃስ ህዝብና አብ ፎቐዶ መዕቆብ ስደተኛታት (አብ ሱዳን፣ አብ የመን፣ አብ ጅቡቲ) ዝርከብ ከም አብነት ምጥቃስ ይካአል እቶ፡፡
እዚ ድማ ናይዚ ዘሎ መላኺ ስርዓት አካይዳን ስርዓተ ህልቀት ሙዃኑ ብሙሉእ አራእያ ዝምዘን ጉዕዞ ስርዓት እዩ፤ እዚ ጨፍላቂ ስርዓት ድማ ካብ ቀደም አትሒዙ ዝመሃዞ አካይዳ ስቓይ ህዝቢ ሙዃኑ ብጋህዲ ዝፍለጥ እዩ፡፡
እዚ ስርዓት በቲ ዝሐዞ ንህዝቢ ጸቒጥካን እና ኣሳቐኻን አብ ስልጣን ኮይኑ ንህዝቢ እንኮላይ ሐላፍነት ዘይስመዖ ስርዓት ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ሕጂ እቲ መርገጽን ወጻዓን ይቕጽል አሎ፡፡ እዚ ከይኣክል ድማ ስርዓት መንግስቲ ብዓሌትን ብቀቢላን ንህዝበና አብ ጸበባ አእትይዎ ይርከብ ። ደም ውጹዓት ከም ዋዛ ዝፈሰሉ እውን ከምዝኾነ ድማ ፍሉጥ እዩ ። ውጹዓት ኤርትራውያን አብዘየድሊ ኪናትን አብዘይፈልጥዎ ናይ ፖለቲካ ውንጀላ ጌርካ ተሰዊኦም እዮም፡፡ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደምን ሕጂ ድልየቱ ፍትሒን ናጽነትን ከምዝኾነ ዘይርዳእ ስርዓት ድማ ነቲ ጨቖናን ወጸዓን ብዘይምቁራፅ ይቕጽለሉ አሎ፡፡
ህዝቢ ኤርትራ ሐደ ኢድ ኮይኑ ንኾይነብር አብ ምንጎ ህዝቢ ንሐድሕድ ከይሰማማዕ ብዙህ ሸርሕታት ብምግባር ንህዝቢ በታቲኑ ይርኮብ፡፡ ብፍለይ ድማ ናይ ስርዓት ጸጥታ አባላት ህዝቢ ተፈላልዩ ክነብር አዝዩ ብዝተወጠነ ሜላታት ብምጥቃም ህዝቢ ብኹሉ ነገር ከይተአማመንን ብሐሳብን አባላት ብዙሐት እዮም ፤ንአብነት ሰብ ካብ ዝነብራሉ ቦታ ናብ ዘይደልዮ ቦታ አገዲዲካ ምውሳድ ከምኡውን ብምርታዕ ንገደዳ ስደትን ናብ ካሊእ ጉዕዞ ክኾይድ ዝተገብረሉ ህዝቢ አብ ዓለምና ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ እዩ፡፡ እንተደአ ንሕና አብ ቅዲሚ ህዝቢ አለና ማለት አብዛ ታሪኻዊት መሬት ዘሎ ሃገራዊ ካሊእ ጓና አእትዩ መሬት ዝዕብልል ነዞም ካብ የሕዋቶምን ስድራ ቤቶምን ዝተገለሉ ውጹዓት ካብ ስደት ናብ ስደት ከርተት ዝብሉ አብ ደገን አብ ሃገርን ዝርከቡ ውጹዓት ህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ
ሽግራት ከም ምኽንያት ተጠቂሙ ናይ ሕድሕድ ውግእ እንተደኣ ተጀሚሩ ኩሉ ጠፌኡ ዝርአ ሰብ ውን አይክተርፍን እዩ፡፡ ስለዚ ድማ ኩሎም ተቓለስቲ ነዚ ጉዳይ ብጥንቓቕ ክሪኡዎ ይግባእ፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ሸርሕታትን አፉላላይን ስለ ዘሎ ተቓለስቲ ህዝብና አብ ሐደጋ ከይወድቕ እቲ ቃልሲ ውን ከይገድፉ ምንጥቃቕ አድላይ እዩ። ስለዚ እጃም ናይ ተጋድሎ ሐድነት ኤርትራ ድማ ህዝቢ አብ ዓዘቕቲ ንኾይአትው ንዲሞክራስን ፍትሕን ጠጠው ኢሉ ይቃለስ አሎ፡፡
ካብ ዘገርም እዚ ቃልሲ ዕለምኡ ህዝብና ካብቶም አዝዮም ውጹዓት ዝባሃሉ አብ ታሪኽ ስደት አብ ዓለምና ቀዳማይ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ እቲ ዝነብሩሉ መዕቆብ ስደተኛታት ብተገዳስነት ብዕዙዝ ሐላፍነትን ክስራሐሉ ይግባእ፡፡
ከም አብነት ንፍትሒ ህዝቢ ኢሎም ዝቃለሱ ጀጋኑ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ምብዛሕቲኦም በዚ ስርዓት ተዓፈኖም ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ንፍትሒ ዝቃለሱ ቁፅሮም አዝዩ ብዙሕ ከም ዝኾነ ማንም ዝፈልጦ እዩ፡ እዚ አብ ሃገርና ውልቀ መላኺ ስርዓት አዝዩ ዘስካሕክሕ ጨቖናን አፉላላይ ዓሌትን ሃይማኖትን ተጠቂሙ ዝርከብ ጉፅዞ ስርዓት አሊኻ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምርካብ አብ ቃልሲ ዝርከብ ዘሎ ውድብ ስለ ዝኾነ ነዚ አብ ግምት ብምግባር ንባዓል ሐቂ(ሃገራዊ) ውጹዕ ህዝቢ ሰላም ምሃብ ካብቲ አገዳሲ ነጥቢ ዝኾነ ቃልስና እዩ፡፡
እዚ እከይ ተግባር ስርዓት ሃገርና ዝገብሮ ዘሎ ናይ ተቐማጦ ህዝብና ካብ ዝነብሩሉ አገዲድካ ምውሰድ፣ መሬቶምን ገዛውቶምን ምምንዛዕ፣ መሰሎም ምግሃስ ሕያዊ ዘይኾነ ሐይሊ ተጠቂምካ ንህዝቢ ምውጻዕ፣ ዝአመሰሉ ኩሉ ንህዝቢና ብፍልሰፍና ሃይማኖትን አብ ምንጎ ህዝብታትና ሰላም ንኾይህሉ ዝጽዕርን ዝገብርን ዘሎ ስርዓት ንምእላይ ሐደ መፍትሒኡ ድማ ፖለቲካን ሐቂ ዝተምርኮሰ ቃልሲ አጣሚርና ናይ ምቅላስ ጉቡእና ዕለማናን እዩ ። እዞም ናይዚስርዓት መራሕን ሰዓብቲን ድማ ናይ ህዝብና መሰልን ፍትሕን ናጽነት ወላ ቅጭጭ ዘይብሎም ስለዝኾነ እነወ ድማ እቲ እከይ ተግባሮም ስጋብ እዛ ስዓት ይቕጽሉ አለው ። ንህዝቢ ናጻ ንምውጻእ ኢሉ ዝቃለስ ሃገራዊ ምዕፉን፣ ምእሳር፣ ምቕታል፣ ምስቓይ ኮነ ኢሎም ዝገብሩም ዘለው አካይዳ ስለ ዝኾነ ነዞም ገቦነኛታት መራሕቲን ሰዓብቶምን ንምእላይ ተሪር ቃልሲ ምግባር አድላይ እዩ፡፡ እዞም ሰባት መሰላት ህዝብና አብ ሐደጋ ክወድቕ ዓቢ እጃም ዘለዎም እዩም፡፡
ነዚ እዩ ድማ ቃልሲ ታጋድሎ ሐርነት ኤርትራ አብ ኩሉ ኩርናዓት ደው ክብል አንጻር እዚ ግፍዐኛ ስርዓት ንፍትሒን ዲሞክራሲን ናይ ህዝቢ መሰል ብሐደ ብዘይ አፉላለይ ህዝብና እቲ ዘድልዮ ፍትሒ ንምሃብን ካብቲ መሪርን ግፍዓዊን ስርዓት መላኺ ህግደፍ ካብ ባርነት ናብ ፍትሐዊ ዘለዎ ሃገራዊ ናጽነት ዝመረር ቃልሱ ዘካይድ ዘሎ፡፡
ከም ዝፈለጥ ዕለማን አካይዳን ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ማለት እዛ ውድብ ፈለሚት ሰውራ ኤርትራ ከም ሙዃና መጠን ነዚ ዓስራይ ህዝባዊ ጎባኤ ከተካይድ ዝኻአለትሉ ድማ ብቕዓትን ተሞክሮ ብዝሐዘለ ፖለቲካዊ ንጥፋት አበይ ከምዘሎን ከምዝበጸሐን ንምዝታይን ንምርአይን ዝተገብሬ ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ቃልስና ተመምዩ ቃልስና አብ መሬት ኤርትራ ከመይ ከም ዝሎ ዘርእዩ ዝርዝራት ንምፍለጥ ዝተገብረ ጎባኤ እዩ ። እዚ ድማ ዴሞክራስን ፍትሕን አብ ሃገርና ንኽሰፍን በማለት ናይ ህዝብና ሐይሊን ናይ ቃልስና ዓቕሚ አበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ ዘፍልጥ አጀንዳ ዝሐዘ አኼባ ብምግባር እዩ፡- እቲ ጎባኤ ድማ ብቐንዲ ዝተተሐዘን ዘተ ዝተገበረሉን ዋና አጀንዳ ናይ ህዝብና ፍትሐዊ ናጽነትን ሰላምን ንምሰፋን ዝብል ቀንዲ ነጥብታት እዩ። ሐድነት ህዝቢ ኤርትራ ምስዚ ቓልሲ ብሐደ ዝኾይድ አጀንዳ እዩ።
ኤርትራውያን አብዚ ሕጂ እዋን መሰሎም አጸቢቖም ዝፈለጡሉ እዋን እዮ ም ዘለው ፤ በዚ ድማ አንጻር ነዚ ዘሎ ስርዓት ምቅዎም ጥራይ ዘይኮነ እቲ ቓልሲ ካብ ሃገርና ውሽጢ ክሳብ አብ ደገ ዘሎ ኾንካ ብሐደ ቅልጽም ንምእላይ እዩ ። ነዚ አንጻር ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ንምእላይ እቲ ቐንዲ መፍትሒ ብረታዊን ፖለቲካዊን ጎኒ ንጎኒ ኾይኑ ምስ ዝቕጽል እዩ ። እዞም ጭፍራ መራሕትን ሰዓብቶምን ስርዓት ሃገርና ናብ ፍትሒን ፍርዲን ንኽቐርቡን ውሳነ ህዝብና ብሕታዊ መዳያት ንኽውዳእ ዓቢ ተራ ዘለዎ ቃልሲ ምክያድ አገዳሲ ስለዝኾነ ህዝብና ካብ ተበታቲኑሉ ዝርከብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝምለሰሉ መድረኻት ንምዕርራይ መሪር ቃልሲ ዝካየደሉ አብነታዊ ዝኾነ ቃልሲ እዩ፡፡ አብዚ ከም ንግንዘቦ ድማ እዚ ዕለማ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ናይ ህዝብና ቃልሲ ነዚ ዘሎ ስርዓት ብምቅዎምን አንጻሪ ገዛኢ ስርዓት ምቅላስ ዝብል አጀንዳ ዝሐዘ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ሕዝቢ ምስ ህዝቢ ተራኺቡ ዝዛተየሉን እህን ምህን ዝብለሉ፤ ነቲ ቃልሲ ብዕሊ ዘካይደሉን ዕድል ኮነ ካብ ናይ ቃልሲ ምኽፋትን ጥጡሕ ዝኾነ መድረኽ ምኽፋት አገዳሲ እዩ። ህዝብና ካብዚ ዘሎ አካደዳ ስቓይ ከመይ ጌርካ ምውጻእ ከም ዝካአል ናይዚ ጎባኤ ዕለማን ፕሮግራምን ብሕታዊ መንገዲ አብ ግምት ብምግባር ምስ ዝምልከቶም ተቓለስትን ዕዙዝ ዝኾነ ርክብን ጽዑቕ ዝኾነ ዘተ ብምግባር ዕላማታት ኩሎም ተቓለስቲ ብሐደ ኢድን ቅልጽምን ተጌሩ ቃልስና ናብ ዝደልዮ ዓወት ንምብጻሕ ፤ ብዙሕ ስራሕ እንተዳአ ተኻይዱ እዚ ዘሎ ስርዓት ንምድምሳስ ኮነ ካብ ሱሩ ንምእላይ እንተደኦ ኾይኑ ኩለን ሐይልታን ተንቀሳቐስቲ ፖለቲካን ተቓወምቲን ሐደ ኢድ አብ ዝኾናሉ እዋን መላኺ ስርዓት ንምእላይ ምቹእ ዝኾነ መድረኽ ስለ ዝርክብ በዚ እነካይዱ መሪርን ጽዑቕን ቃልሲን ከቢድ ስራሕን እዚ ስርዓት ተኦልዩ ዘይንዕወተሉ ምኽንያት አይክህልውን ማለት እዚ ስርዓት በቲ አብ ላዕሊ ዝተገለጸ አካይዳ እንተደኦ መሪሽና ዘይድምሰሰሉ ምኽንያት የለን ዝብል ቁነዕ አጀንዳን እዩ ዝካየድ ዘሎ ማለት ይካአል እዩ ። ስጋብ መወዳእታ ምድምሳስ ስርዓት መላኺ ህግደፍ ዘይሕለል ጻዕሪ ስጋብ መደምደምታ ፕሮግራምና ንምክያድ ቃልሲ እዚ ተቓውሞ ቀጻሊ እዩ ። ሕጂ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ንናጽነትን ሐድነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ንሱ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ውድባትን ብሐደ ብሙኳን ሃገራዊ ሐድነት ንምዕባይን ምስጓምን እዩ ከምኡውን ንህዝብታት ኤርትራ ብሐፈሻ ሰላም ንምስፋንን ህዝቢ ብሐባር ዝነበረሉ መድረኸ ምእላሽ እዩ፡፡
ናይዚ ቃልሲ ዕላማን ንሕና ዘድልየና ብሐባር ኮንካ ቃልሲ ምክያድን ናይቲ ውድብ ኮነ ዝኾነ ፓርቲ ጠቕምታት ህዝቡ አተኩሮ ጌሩ ሃገራዊ መንነትና ዘረጋጋጽ ቃልሲ ንምክያድ እዩ ። ናይ ሃገራውያን ዓቕሚ አብ መሬትና ዓቢ ተራ እዩ ፣ ምስጓም አድላይ እዩ፣ ከም ዝፈለጥ ተጋድሎ ሐርነት ኸምቲ ናይ ቅድም ሕጂ ዝነበረ ታሪካዊ ብደሆታት ሰጊራ ንኤርትራውያን ንምዕዋት እዩ። ነዚ ድማ አዕጋቢ ዝኾነ ዓወት ንምጭባጥ አብቲ ሜዳ ኾንኻ ነዚ ስርዓት መኪትካ ምድርዒም እዩ ። ነዚ ንምትግባር ድማ ሐደ ኢድ ሙዃንን ብሐባር ተስማሚዕና ናብቲ ንደልዩ ሸቶ ምብጻሕ ኢና ንደሊ ፣ ማለት ብሐሳብ ኮነ ብዓቕሊ ከምኡውን ብሰብአዊ ጉልበት ኩላትና ሐደ እንተኸይንና ዘይብጻሕ ነገር ስለ ዘየሎ ናብቲ
ዘድሊ ንምብጻሕ ከምዝሐበርናዮ ናይ ሐባር ጉዕዞን ስሙር ግንባርን የድልየና ስለዝኾነ ነዚ ተገንዚብና በብዞለናዮ ብሕቶ ባህጊን ልቢን ንመርሽ ። አብ ኩሉ ኩርናዓት ዝርከቡ ሐይልታት ኮነ ተቓለስቲ ብሐባር ናይ ሃገራዊ ጉቡእና ከም መሰረት ብምግባር ንፍትሒን ሃገራዊ ሐድነትን ብዝብል ዕላማ ሒዝና ናብ ግንባር ከንብገስን ናይ ህዝብና ሰላምን ራህዋን ንምስፍን ዓቢ ሐላፍነት ክህልወና ይግባእ፡፡
ሕጂ ድማ ንሕና ዘድልየና በሐባር ተበጊስና ህጹጽ ዝኾነ ናይ መሻርኽትና ነዚ ቃልሺ ዘድሊ ነገራት አማሊእና ንናጽነትን ንፍትሒን እንገብሮ ብድሆታት ነዚ ዲክታቶር ዝኾነ ስርዓት እነጥፈአሉ አብነት ኮነ መስመራት ምጥጣሕ አዝዩ አድላይ እዩ፡፡ እዚ ሃገራዊ ቃልሲ ናይ ሐባር ቃልሲ ስለ ዝኾነ ኩሎም ሃገራውያን ምስ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና መስመርና ምሳና ብምጽምባር ሃገራውያን በብኽእለትኩም ናይ እዚ ቃልሲ አባላት ንኽትኮኑ ንለቦ ወይ ንጽወዕ ። እዚ ቃልሲ ናይ ኤርትራውያን ህለወ ዘረጋግጽ እዩ (አብ ሐቂ ዝተምርኮሰ ቃልሲ) ስለዚ በዚ ጎባኤ ከም አብነት ንምግባር ጻውዒትና ኩሉ ሃገራዊን ሃገራውነት ስምዒት ዘሎም ሐላፍነት ብምውሰድ ነዛ ታሪኻዊት ዝኾነት ናይ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ውድብ አብ ጎና ክትኮኑ ንጽውዕ፡፡
ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ማለት ድማ ብዋዛ ዝተስመየት ውድብ ዘይኮነትስ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ሐለፍነትን ሐቅነት ዘለዋ ውድብ ስለ ዝኾነት ነዚ ብምእማን ድማ ናብዛ ውድብ ምጽምባር ኩርዓት እዩ ። ነዚ እያ ድማ ካብ ሱሳ ዓመታት ንለዕሊ ቃልሲ ናይዛ ውድብ አብ መትከልን ዕለማን ክሳብ ሕጂ ነቕ ዘይበለት ። ቃልሲ እዛ ውድብ ድማ ብንጹርን ብጋህድን ዝፍለጥ ንመሰልን ንፍትሕን ህዝብታት ኤርትራ ነቃለስ ዝነበረትን ዘለን ውድብ እያ ። እዚ ቓልሲ ማንም ሃገራዊ ከም ዝፈልጦ ድማ ብዓልየትን ብቐቢለን ፈጺማ አፈላላይ ዘይትፈልጥ ውድብን ሐቀኛ ተቓለሲት ውድብ ሙዃና ብምግጽ እዚ ዘሎ ጨካኒ ዝኾነ ስርዓት ድማ ምሳና 30 ዓመታት ተቓሊሱ ዝኸደዓና ስለ ዝኾነ በብዘለናዮ ንምድምሳሱ ንበገስ ። ንሕና እንብሎ ናይዚ ትሕዝቶ ቃልሲን ናይዚ ቃልሲ ጸጥታን ሐላፍትን ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሐላፍነት እዩ ። ብሐፈሻ ድማ ናይ ተጋድሎ ሐላፍነት እዩ ። እዚ ቃልሲ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተስጋገረ ዝመጸ ቃልሲ ምኳኑ ዝተአመተ እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሎም እቲ ክብርቲ ሂወቶምን ትንፋሶምን ድማ ነዛ መሬት አሕሊፎም እዩም፣ ምስ እዚ ውድብ ማዕረ ብደሆታት ዝሰገረ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሙኳኑ ፈጽምካ ዘይካሐድ ከምዝኸነ ንምግላጽ ኮነ ንምዝርዛሩ ድማ ብሐቂ ንሕና እንተዘይገለጽናዩ ባዕሉ ታሪኸ ዝገለጻ ስለዝኸነ በዚ ሐበን ዝስመዓና ሙዃኑ እዩ። በዚ መሰረት እዚ ህዝቢ አብዝሐለፈ መኸትኡ ብመስተንከር ተቓሊሱ ብዙሕ ታሪኸ ከምዝሰረሐ ሕጂ ውን እዚ ሐዲሽ ወለዶ ከምቲ ናይ ትማሊ ንሃገሩ ኢሉ ሐላፍነት ተሸኪሙ ንቲ ቓልሲ ወሒዙ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንምውዳቅ ዘይሕለል ጻዕሩ ክገብር አለዎ ። ብዘለዎ ዓቐሙን ክእለቱን ንብረቱን ፍልጠቱን ነዛ ሃገር ምስ እዛ ውድብ ጎኒ ንጎኒ ብሙዃን ዝካአሎ አወፍዩ ፤ ድማ ኩሉ ብደሆታት እናሕለፈ ሕጂ ውን ንዝመጽእ ኩሉ ጸበባን ጭንቅን ብጽንዓት ንምሕላፍ ድሉው እዩ ።
ውደብና ድማ ነዚ ተረዳኡ ናይ ህዝብና ድልየት አብቲ ዝድለዩ ምዕራፍ ከምተብጽሕ ፍሉጥ እዩ ፣ ማለት ይካአል እዩ፣ ንሕና አባላት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋን ትምኒትን ናብቲ ዘድልይ ሰላምን ራህዋን ሐርነት ከም እንበጽሕ ነረጋግጽ ኩሉ ጻዕርና ድማ እዚ ሙዃኑ ብሙሉእ ርእስ ምትእምማን ከነረጋግጽ ንፈቱ ።ኤርትራ ግልጺ ዝኸነ ሕገ መንግስትን ሐራ ዝኸነት ሃገር ንኸትከውን ሐቂ ዝኸነ ናይ መጻኢ ሕልምና እዩ ። ናይ ህዝቢ መሰላትን ክብረ ስበኣውነት ክነረጋግጽ ድማ ንፈቱ ፤ ሕጊ መንግስቲ ማለት ንመላእ ህዝቢ ብሐደ ዓይኒ ዝረኢን ዘዝቅመጥን ብሐደ ውልቀሰብ ወይ ብጉጅለታት ጥራይ ዝቕመጥ ሕጊ ዘይኮነስ ብመላእ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ዝቕመጥ ሕጊ እዩ ፣ ናይ ህዝቢ ሰብአዊ መሰላት፣ ናይ ህዝቢ ሐቢርካ ብሰላም ምንባር ሕገ-መንግስቲ ናይ ህዝቢ ማንነት ውሕስነትን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝስራሕ እምበር ብውልቀ ሰባት ተሰሪሑ ንቁሩብ ጉጅለታት ዝጠቅም ከይኸውን ድማ እዚ ቓልሲ መሰል ህዝቢ ንምኽባር ላዕሊን ታሕትን እናበለ ናይ ህዝቢ ድልየት አብ ሸትኡ ንምብጻሕ ይሸባሸብ ዘሎ።
ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ መትከል ድማ እዚ ህዝቢ ወትሩ ሓድ ኮይኑ እምቢ ንምልኪን ንመግዛእቲ ዝበለ(እምብለይ በሃሊ) ፈለማ ሰውራ ብኽብሪን ብሐበንን ተበጊሱ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረን ዝፈለመን፤ ንጃህራ ዘይኮነስ ንመሰሉ ከምዝኾነ አጸቢቑ ዝአምን ውድብ እዩ ። ከም ዝፍለጥ ብዘይ ወለ ሐንቲ ጃህራ ህዝብና ባዕሉን ብጽንዓቱን እዩ ድማ ንመግዛእቲ ሐይሊ ስላሴን ደርጊን ዝሰዓረ ፣ ምኽንያቱ እዚ ህዝቢ ናጽነቱን መንነቱ ከምንዘጽዕ ን ባዕዳዊ ወራራት ንኹሎም ብቕልጽሙ እዩ ዝሰዓሮም ፣ ህዝቢ ኾነ ናይ ሰውራታትና ዕላማ እዚ ስለዝነበረ ናይ ተጋድሎ መሪሕነትን ህዝቢን ብሐባር ነዚ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ናይ ምንባርን ሰላምን ዲሞክራሲን ብቕልጽም መላእ ህዝቢ እዩ ። እዘ ቃልሲ ዚ ድማ ንሶለስተ ክፍለ ዘመናት ዝተሰረሐ እዩ ኮይኑ ግን እዞም በኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ መራሕቲ ናይዚ ስርዓት ሕልምታት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ጸላም ክአትው ዝገበሩ እዩም ። ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ድማ ነዚ ኩሉ ብዝምልከት መበል ዓስራይ ሐፈሻዊ ጎባኤ ብምግባር እዚ ብረታዊ ቃልሲን ፖለቲካዊ ጉስጓስን ከምኡውን ዝርዝር ናይ መጻኢ ማለት ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ዝግበር ፖለቲካዊ አጀንዳ ተዳልዩ አሎ ጽቃለስሉ እውን አሎ፡፡
መትከላትን ዓላሚታትን
ቅዳማይ: ሐፈሻዊ ዕለማ
1. አብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ንምእላ ምቅላስ
2. ዴሞክራሲያት ዝኾነት ሃገር ንኹሉ ንምፍጣር ምስራሕን
3. ናጽነትን ፍትሕን ምስፋንን ሸበራን ረብሻን ምእላይን ኩሉ ሕብሪ ዘለዎ ጽረ ህዝቢ ምልጋስን ናይ ሕብረተሰብ ባህሊን ምዕባለን ምንጽብራቕ
4. ቋንቋ ዓረብን ትግርኛ ክልቲኤን ዕላዊት ቋንቋታት አብ ኤርትራ በሕጋዊ መንገዲምግባር
5. ኤርትራ ምስ አፍርቃን ምስ ሃገራት ዓዕራብ ምሕዝንታ ንጥቅሚ ህዝባ ንምድልዳል ምጽዓር።
6. ንናጽነትን ናይ ሐሳብ ምቅይያርን ሪኢቱ ናይ ምሃብን ምስማዕን ማንም ዜጋ ዕድል ንኽረክብ ዕድል ምሃብን ናይ ዋንነት መሰል ንምርካብ ምቅላስ፤
7. ካብ ህዝቢ ተመንዚዑ ዝተወሰደ መሬት ኮነ ንብረት ናብ ወነንቶም ምምለስን ጽረ-ዕብየትን ጽረ-ለውጢ ንዝኾነ ማንም ሐይሊ ምምካት
ካለኣይ፡ ብዛዕባ ዕላማ ውድብና ስልጣንን ሃገርን ከመይ ከም ዝትርጉም ምግባር
1. ምእንቲ ፍትሒን ሰበኣዊ መሰላት ዝኽበርላን ዘሎዋን ሃገርን ግፍዒ ዘይብሉ ክብረት ዘሎዎ ህዝቢ ንኽነብርን አብ መጻአኢ ደቃ በጽቡቅ ህወት ዝነብረላ ሃገር ንምግባር እያ ትቃለስ
2. አብ ሃገርና ሕገ-መንግስቲን ቅዋማዊ ሕጊን ዘለዎ ሃገር ንሙቋም ምግባር
3. በውክልና ህዝቢ ዝቆመ መንግስትን ናጻ ብዝኾነ አጋባብ በህዝባዊ ምርጫ ዝምረጽን፤ምሉእ ተሳታፍነት ናይ ኩለን ፖሊቲካዊ ሓይሊታት ድማ ክም ዝኽብር ንምግባር።
4. ዘይምእኩል ዞባዊ አገባብ ስርዓት አብ ሃገር ንምምስራትን
5. ናይ መንግስቲ (መራሒ) ዘመን አብ ስራሕ ዝጸንሓሉ ክልተ ግዜ ጥራይ ንክኸውን ምግባር
6. ስርዓት መንግስቲ አብ ናይ ምክፍፋል ስልጣን ዝተመስረተትን ስልጣን ድሕሪ ምርጫ በሰላማዊ መንገዲ ክርከብ ንምግባር።ክልላዊን ህዝብን ዝኾነ ናይ መንግስቲ ስርዓት አብዛ ሃገር ምግባር
7. ከኢላ ዝለዎ ምምሕዳር አካል ንምስራዕን ንምምስራት ክቃለስ ምግባር።
8. በመሰረት ህዝባዊ ምርጫ ሕጋዊን ፍትሒን ዘለዎ ሰላማዊ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዘለዎም ምምራጽ
9. እዚ ውድብ(ተጋድሎ) ሕጋውን ስሩዕ ዝኾነ ማእከላዊ መንግስቲ ምግባር
10. ንኹሉ ህዝቢ ዝጠቅምን ትኽክለኛን ሕጋዊ ዝኾነ ፍርዲን ሕጊ ድማ ልዕሊ ኹሉ ንኽኸውን ውድብና ምድላዋት ትገብር
11. ምእንቲ ናጻ ወድሰብ መሰል ምቅላስ
12. ምርጫ ዝገብር ቦርድ ምቛም
ሳልሳይ ፡ ብዘዕባ ስሩዕ ሃገራዊ ሰራዊትን ክፍሊ ሓለዋ ጽጥታን ምቛም
1. ንልዕላውነት ሃገሩን መሬቱን ንሓድነት ህዝቡንዝከላኸም ሐይሊ ንምምስራት ወትሩ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ አብ ቃልሲ ትርከብ
2. ንኤርትራን ነቲ ማሕበርሰባዊ ቅርጻ ዝንጸባርቅን ዘገልግል ሐይሊ ምክልኻል ምምስራት
3. ንሃገር ሰላም ዘስፍን ንሃገር ልዕልነትን ርገኣት ሃገርን ክምኡ እውን ጸታን ውሽጣዊ ስላምን ዝሕሉ ሐይሊ ምክልኻል ምምስራት
4. ብዴሞክራሲ ዝተሰረዐ ሰራዊት መሰሪትካ እዚ ሰራዊት መሰል መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብርን ዝሕልውን ዑዙዝ ሐይሊ ምግባርን እቲ ናይ አገልግሉት ግዜ በሕጊ ይውሰን ንምግማር።
5. ወትሩ ሐይልታት ምክልኻል ሃገራዊ ጸጥታ ዘኽብርን ዝሕልውን ሰራዊት ፖሊስ መስሪትካ እዚ ሐይሊ ናይ ህዝቢ መሰልን ሕግን ዘኽብር ዑዘዝ ሐይሊ ፖሊስ ምግባር
ራብዓይ : መትከላት ተሓኤ ብዘዕባ ሃገራዊ ቑጠባን ኦኮኖሚያዊ ዓውዲ
1. ማንም ኤርትራዊ አብ ሃገርና ንዝርከብ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንኽጥቀምን ከም ዜጋ ክብሪን መሰልን ክህልው ምግባር
2. አብ ሃገርና ብሄራዊ ባንክ ብምግባር ናይ ውሽጢ ዓዲ ገንዘብ (ባጤራ) ብምግባር ኢኮኖሚ ሃገር ምቁጻር ገንዘብን ዝዋሃህድን ናይ ፋይናንስን ገንዘባዊ ህግታትን ዝውስን
3. ብናይ ባንኪ ሕጊ መሰረት ንዜታታት ናይ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ክብ ንምግባር ምጽዓር
4. ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ናይ ኢኮኖሚ ስርዓት ብምግባር ምስረታ ሕርሻ፣ ንግዲ፣ ስራሕቲ፣ ኢንደስትሪ፣ ዓሳን ካልኦትን ንምስራሕ መድረኽ ምኽፋት
5. ንህዝቢ ጠቓሚ ዝበሃል ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ኢንቨስትመንት ንኽህሉ ምግባር
6. ብዛዕባ ምግፋፋ ዓሳን በሕርሽን አጠቓቕማን ትምህርቲ ምሃብ ከመይ ጌርካ መሬት ምጥቃምን ናይ ሕርሻ ትምህርትን ፍርያት ምምስራት ከምኡን እንስሳ ዘገዳም አረባብሐ ምስ ናይ እንስሳ ረብሐ ዝኸይድ መግብትታ ንምፍራይ መድረኽ ምኽፋት ምስ ኩሉ ዝምልከቶ አካል ምትሕግጋዝ ምግባር
7. ብዛዕባ ኢኮኖሚ ናይ ሃገር ንዜጋታት ምቹእ ዝኾነ በሪ ብምኽፋት ኢኮኖሚ ክብ ክብል ምግባር
8. አብ ሞንጎ ገጠርን ከተማን ዘሎ ራሐቂታት ምቕራብ
9. ብዛዕባ ናይ ኢኮኖሚ ሃገር ብዝምልከት ዜጋታት ካብ ባንክታት ልቓሕ ወሰዶም ናይ ሃገርና ብልጽግና ንኽስርሑ መድረኽ ምኽፋት
10. ብዛዕባ ጸገም መንበረ ገዛውቲ ንምፍታሕ ዘኽእሉ ፕሮግራም ብምግባር ዜጋታት ካብ ምፍንቓልን ካብ ምስአን ገዛውቲ ዝድሕንሉ ጡጡሕ ባይታ ምግባር
11. እዛ ውድብ (ተ.ሐ.ኤ) ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾነ ናይ ፓለቲካን አተሐሳሰባ እንተጋጢሙ ብሰላማዊ መንገዲ ብምፍታሕ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ፓለቲካ ምንቅስቓስ አብ ሃገር ኽነጥፋ ዕድል ምሃብ
12. (ተ.ሐ.ኤ) ኩል ጊዜ ናይ ፓለቲካን ኢኮኖሚን ጉዳያት ብዝሐሽ ደረጃ ንኽስሪሕ ዝስልጣን ባይታ ፈጢሩ ፅቡቕ በሪ ምኽፋት
13. ናይ ባሕሪ ሃፍቲ አብ ሕጋዊ መንገዲ ምእታው
14. ንእንስሳ ዘገዳምን አርባሕቲ ዝጣጠሐ ኩነታት ንምፍጣር ናይ ቬትሪነሪ (ናይ እንስሳት ሕክምና) ብምግባር አርባሕቲ ዝዓዘዘ ናይ እንስሳ አራብሐ ዕድል ንኽረኽቡ ምግባር
ሐምሻይ: አብ ማሕበረሰብኣውን ጉዳየት
1. ኤርትራዊ ዜጋ ብቕዓት ብዘለያን ከም ሰብ መጠን አብ ሃገሩ አድላይ ዝባሃል መሰል ብምግባር ዘድልዩ ናይ ዲሞክራሲ ዕድል ተጠቂሙ ክመሃርን ክስርሕን ዕድል ምግባር
2. ኤርትራውያን ዜጋታት ሃገሮም ንምህናጽን ብመስሎም ንኽስርሑ ምግባር ከምኡውን ንሙሁራት ዜጋታት ብብቕዓቶም ንኽስርሑ ምግባር ንኩሉ ዜጋ ናይ ሰውነትን ስነ አእምሮ ጉልበት ጌርካ ብቑዕ ዜጋ ምፍጣር
3. እንተወሐደ ናይ ካልአይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝግባእ ምስፍሕፋሕ
4. ስድራ ቤት ንደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ምልእኽ መንግስቲ ድማ ንተማሃሮ አድላይ ዝኾ ነገራት ብምቕራብ መንእስያት ኤርትራ ብትምህርቲ ብቑዓት ጌርካ ንህዝቡን ሃገሩን ዘፍቅርን ዘኽብርን ዜጋ ምፍጣር
5. ንትምህርቲ ዘድለ ሙሉእ ናውቲ ንምቕራብ ዘኸእሉ ኩሉ ነገር ምቕራብ ብትምህርቲ እምነት ምግባር ሕጋዊን ስሩዕ ዝኸነ ናይ ትምህር ዕድላት ብስፈሑ ንማሕበረሰብ ዕዱል ምግባር
6. ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምግባር ከም ናይ ምሽት ትምህርቲ ንኸህሉ በሪ ምኸፋት አብ ናይ ትምህርቲ ትሕዝቶ ተመሃሪ ዝበለጸ ፍልጠት ኸረኽቡ ምግባር
7. ናይ ትምህርቲ ዓይነት ምስ ማሕበረሰብ ዝካየድ ዓይነት ትምህርቲ ምግባር
8. አብ ሞንጎ ከተማን ገጠርን ዘሎ ናይ ትምህርቲ ኩነታት ማዕረ ምግባር
9. ተመሃሮ (ሕፃናት) ናብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምእታዋም ቅልል ብዝበለ ስፖርት ነብስም ከሕይል ምግባር
10. ሆስፒታላትን ክሊኒክን ብዝዓበየ ደረጃ አስፋሕፈሕካ ምቕራብ ካብ ባህላዊ ሕክምና ኾነ ንማሕበረሰብ ዝጎድእ ኩሉ ምርሕቕ
11. ደቅ አንስትዮ አብ ኩሉ ናይ ሕብረተሰብ መድረኸ ሐቢረን ንኸሰርሐ ምቅላስ ምስ ደቅ ተባዕትዩ ማዕረ መሰል ንኽረኸባ ምግባርን ብዛዕባ ሕርስን ጥንሲን አተዓባያ ቆልዑት ጸገም ከይህሉ ዕድል ምግባር
12. ናይ ስራሕ ሰዓታት ንዜጋታት አብ መዓለቲ 8 ሰዓት ብምግባር ነዚ ዝምልከት ሕግን ስርዓት ብምግባር መሰል ሰራሕተኛ ምኸባር ብዛዕባ ጥዕና ሰራሕተኛ ስርዓትን ሕረን ጌርካ መሰል ሰራሕተኛ ምሕላው ናይ ዝስረሐሉ ክፍሊት አብ እዋቱ ምኸፋልን ንቤተሰብ ሰራሕተኛ ፅብቕ ናብራ ንኸነበር ምቹእ ዝኾነ ባይታ ምግባር
13. ንናይ ስፖርት ክለባት ዝኸውን ጡጡሕ ቦታ ምግባርን ንስፖርተኛታት ናይ ሞራል ድጋፍ ማሃብ
ሻድሻይ፡ ብዛዕባ ናይ ባህልን ናይ ሚዲያን ዕላማታት
1. ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ኩሉ ግዜ ንዜጋታት ዝመስሎም ሐሳብን ርኢቶን አብ ሚዲያን አብ ጋዜጣን አብ ጽሑፍትን ንኸገልጹ ዕድል ንምሃብ ይቃለስ
2. ብዛዕባበ ናይ ኤርትራ ተጋድሎን ታሪኸን ናይ ምፅሐፍ ክእለት ብለዊም ደረስቲ ብዝግባ ፅሒፎም ናብ ሕብረተሰብ ንኸብፅሑ ፅቡቕ ሐገዝ ምግባር እዚ ብእምነት ዝስራሕ ጉዳይ ክኽውን ይግባእ
3. ንናይ ሃገር ሐድነት እምነት ብዘለዎ አካይዳ ባህሊን ናይ ሚዲያን ሰራሕቲ ምስራሕ
4. ናይቲ ዥሐለፈ ናይ ተጋድሎን ታሪኻዊ ፅሑፍትን ብምቕራብ ንሐዲሽ ወለይ ብዝግባእ ተረዲኡ ምዕቡል ዝኸነ ንምዕቃብ ዘኸእል ዕድል ምፍጣር
5. ብዛዕባ ናይ ሃገርና ታሪኻዊ ቅርስታት ንተማሃሮ ብዝግባእ ምምሃርን ነቲ ሑሉፍ ታሪኽ መንእሰያት ክሕልው ምግባር
ሻብዓይ፡ ብዛዕባ ናይ ወፃኢ ርክባት ዕላማ
1. ምክብባር ብዘለዎ አካይዳ (ተ.ሐ.ኤ) ምስ ሕብረተሰብ ዓለምን መንግስታትን ከምኡውን ናይ ወጻኢ ፓለቲከኛታት ዑዙዝ ዝኾነ ናይ ርክብ ዝምድና ምፍጣር
2. ምስ ጉረባብቲ ሃገራት ብዝለዓመ ደረጃ ርክብ ምፍጣርን ብዝማዕበለ ምሕዝነት ምግባር
3. ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ንህዝብን ንሃገርን ጥቕሚ ዘለዎ ዕዙዝ ምሕዝነትን ጌርካ ጽቡቕ ርክብ ምፍጣር
4. ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ሰላምን ጸጥታን ርክብ ጌርካ አብቲ ኸባቢ ሰላም ንኸህሉ ምግባር
5. ምእንቲ ክብረት ህዝብታት ወጻኢ ሃገራት ብምእማን አብ ናይ ዝኾነ ሃገር ናይ ውሽጢ ጉዳይ ጣልቃ ዘይም እታው
6. ናይ ሰላምን ጸጥታን ንምኽባር ብዝግባእ አብ ከባቢን አብ ካልኦት ዓለም ሰላም ንምፍጣር ምፅዓር
7. ንህዝቢ ኤርትራ መሰል ክብ ንምባል ንዝገብራ ናይ ወጻኢ መንግስታት ጽቡቕ ምሕዝነት ብምግባር ብሐባር ምስራሕ