ዑደት ልኡኽተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ መዓስከር ኡም ጋርጉርን ካልኦት መዓስከራትን።

ዑደት ልኡኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ መዕእስከር ኡም ጋርጉርን ካልኦት መዓስከራትን።

 ብወኪል ፈጻሚት ሽማግለ ዝተመርሐ ሉኡኽ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ብጾቱን  ሰክረታርያታት ጨናፍር ዕዉት ናይ ስራሕ ዑደት ካብ ስዉእ መራሒ ማሕሙድ ሓሰብ ፁንፈር ኮአኖም ን ብዙሓት ጨናፍር እቲ ውድብ ዕዉት ዕደት ኣካይዶም።

ሰክረታርያ ጨናፍርና፣ ስዉእ መራሒ እድሪስ ሃንግላን ካልኦትን  በጺሖም።

ዋላ’ኳ ናይ መጓዓዝያ ጸገም እንተነበረ፡ እቲ ልኡኽ ዕዉት ዑደት ብምክያድ ተበጊሱ ምሉእ ኣቀባብላ ረኺቡ፡ ብኡ ንብኡ ድማ ነቲ ፈጻሚት ሽማግለ ዝሓንጸጾ መደብ ንምዕዋትን ዝሓንጸጾ መሰላትን ብሓፋሽ ኣባልነትን  ዘቕረቦ መዳርግቲ ዘይብሉ ውህብቶ ንምዕዋት ፍረ ዘለዎ ኣኼባታት ጀሚሮም

ንተጋድሎ ​​ሓርነት ኤርትራ ዕላማኣ ንምዕዋት ቃል አቲዮም።

መራሒ ሑሴን ካሊፋ አቦወንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ኣኼባ ብተሌፎንን ቪድዮን መደረ ኣስሚዑ።

ኣብ መደረኡ፡ ኣብቲ ውድብ ዘሎ  ምዕባለታትን ዝሓልፎ ዘሎ ብድሆታትን፡ እንተላይ ኩነታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ብሰንኪ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂን ገበነኛ ጕጅለኡን ኣብሪሁ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕዋት መሰሎ ቃጻሊ ሙኻኑ አስመረሉ።

ሑሴን ከሊፋ  አቦወንበር ተሓኤ፡ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብና ናብ ውሽጣዊ ኲናት ኢትዮጵያ ከም ዘእተዎ፡ ብሰንኪ ሕሙም ባህርያቱን ዲክታቶርያዊ ሰርዓቱ ጥራይ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ። ነቲ ዝደልዮ ናይ ቀደም ሰነዱ (ንሕናን ዕላማናን) መደቡ ከተግብር ከም ዝደለየ ኣረጋጊጹ። ስራሓቱውን ገብነኛ ሁጅለኡን ተግባራት አብቲ ኮነታት ሃገርና በሪሁ ይርከብ።

ን ዕላማኡ ንምትግባር፣ ንህዝቢ ኤርትራን ዓቕሙን ኣቃሊሎ፣ ኣብ መደረኡ ብዝበሎ (ኣይከሰርናን)ንእቲህዝብና ምእንቲ ሃገርና ዝሃቦ ዓቢ መስዋእቲ ሸለል ኢሎ ረሲዕዎ።

ሎሚ ኤርትራ ካብ ምምጻእ እዚ ጕጅለ ኣትሒዛ ባእታታት ህይወት ብዙሕ ኣጥፊኣ ኣላ።

እቲ ልኡኽ ንኣባላትናን ንመራሕቶምን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነዚ ጕጅለ ንምጥፋእ ኣበርቲዑ ክሰርሕን ክቃልስን ሞኻኑ ውን አረጋጊጹ ።ብቲ ንቲ ውድብ ዘቅረብዎ ወፈያ እቲ ሎኡኽ ምጋናኡን አቅረበ።

አብ ምጨርሻ ንገዳይም ተጋድልቲ ናይ ክብርትን ንቲ ውፍያቶምን ዝሙግስንን ዝገልጽን ሽልማት ተዓደለሎም።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print