ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’

ንጀጋኑ ግዳይ ዝገበሩ ኦ በዓል ኩስቶ
ዕምሪ ኢሰያስ ዘናውሑ በዓል ኣቶ
ኣንፈቱ ኣስሒቶሞ ናይ ሐርነት ሕቶ
ምሳኹም ንዓዲ ከመይ ገርካ ክእቶ’’

ሕጅስ ያኣክል ኤትራዊያን
የድሊ ሎ ኣብ ነብስኻ ምትእምማን’’

እንዳ ተቃለስና ንፍትሒ ንዲሞክራሲ
ፈተውቲ ተሲሎም ረሚሶሞ ንቃልሲ
ህወሐት መንግስቲ ከለዉ ዘይሐገዙስ ሕጂ
ንህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ከርግጽዎ ፈንጂ’’

ህዝቢ ኤርትራ ንልእላውነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ
ብኢድ ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ውዲት ተሐንጺጽ
ብረፈረንድም እወ ንነጻነት ደጊሙ ኣድሚጹ’’

ንሐደ ዕላማ ዘለዎም ንተንቤናይ ሐዊሱ
መን ይኣምኖም ንበዓል ለመጭ መልሐሱ
ን30 ዓመት ንህዝብና ንምድኻም ዘይደቀሱ
ብዙሐት እዮም ጸረ መግዛእቲ ዝተቃለሱ
ንነጻነት ዋጋ ከፊሎም ንዓዶም ዘይተመለሱ’’

ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት
ናይ ኢሰያስ ጀነራላርት ሚኒስተራት
ብሐደ ሰብኣይ ዝምርሑ ከም ዑዉራት
ብሰንኪ እቶም ኣሜን በሃልቲ ሙሁራት
ብኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ተወሪሱ ዓራት’’

ኣቦይን ኣደይን ብበይኑ ሕልሞም
ኣቤት ጉያ ናብ ስልጣን ቅድድም
ተቓወምቲ ኤርትራ እንታይ ጸገሞም
ን30 ዓመታት ምውሳን ሲኢኖም’’

ኣንፈቱ ስሒቱ ኣቃላልሳና
ወሰንቲ ካድራት ምስ ሰኣንና
ኣግዲዕናዮም ንመንእሰያት ሃገርና
ብኢትዮጵያ ሉኡኽ ጸኒቱ ህዝብና’’

ዝተደጎለ ሐዊ ዝጠፍኤ ይመስል
ንጠቕማ እያ ትጓየ ዘላ ዓለም ከይንህመል
መን ይኣምኖም ንኢትዮጵያዊያን ሰብ ኣመል
ከይውሕጡና ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ከም ገበል’’

ሻዓብ ኤርትራ ህሌና ኣበደን ኢንበደ
ህዝብና ክንደይ ግዜ ብውዲት ዘይተካሐደ
ንመሪሕ ህ.ወ.ሐ.ት ዝኣመነን ማይ ዝሐቆነን ሐደ
ለውጢ ብኤርትራዊያን እያ ትጽበ ኤርትራዊት ኣደ’’

ብ61 ኤርትራ ንኤርትራዊያን ኢሉ ዝተበገሰ
ንጹርዩ ዕላማና ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ዝተሞርኲሰ
ኣይነፍቅድን ብውዲት ኤርትራዊ ደም ክፍስሰ
እዚዩ መጸዋዕታ ተ.ሐ.ኤ ንህግደፍ ንምፍራሰ
ብኤርትራዊያን ወጊሑ ፍትሒ ምስ ነገሰ
ኤርትራዊያን ደቀባት ኣብ ባሕርና ክንሕብሰ’’

’ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃዳ ህግደፍን ዓገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን’’05 02 2022።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print