ኣቦና ኣንጦንዮስ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ

ንኣቦና ኣንጦንዮስ መንግስተ ሰማይ
ወየ ወየ ኣብ ሰማይ ዕረጋ ንብዓተይ
ወየ ወየ ይብል ኣለኹ ምስ ብጾተይ’’

ኣቦና ስለ ዝበሉ ተገዛእ ብሕጊ
ንዝበደሉ ኣቕርቦም ናብ ሕጊ
ሕጊ የብሉን ደመኛና ዘርጊ
ብዘይ ፍርዲ 15 ዓመት ኣብ ቀይዲ’’

ኣብ ማሕዩር ነቦና ሸኽ ሐጂ ሙሳ ሲዒቦም
ኣቦና ኣንጦንዮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓረፎም
ብጹኡ እዮም እሞ መንግስተ ሰማይ የዋርስኩም’’

ወየ ወየ እዞም ብጹእ ኣቦና እንታይ በሃሊ
ኣቦታት ንተሐኤ ንግንባር ክሽምግሉ ተማሊ
ኣባ ኣጎስቲኖ ዝፈለጥዎ ምዃኑ መታልርሊ
ንሸኽ ንቀሺ ንሊቃውንትን ዝበልዔ ኣብ ገድሊ
ከም ኣቦሐጎታቱ ጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ ዘይደሊ’’

ንሰማያዊ ንጉስ ከገልግል እንበር ኣቡን
ፓትርያክ ክኸውን ገዳም ኣይሰፈርኩን
ኣቦና ዓገብ እንበር ስለ ዘይበሉ ኣሜን
ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ምስ ሰዓብቱ ጋኔን
ኣነየ ኣብ መስጊድ ኣብ ቤተክርስቲያን
ዝበለ ልዕሊ ረቢ ኣምላኽ ዘለኒ ስልጣን’’

መሻይኽና ኣቕሽትና ሰብ ታሪኽ
ልሳኖም ዘይዓሰፉ ከይበሉ ስኽኽ
ዝበሉ ከም ሽምዓ ኢና ንመክኽ
ቃል ኣምላኽ ረቢ ኢና ነምልኽ’’

ናይዚ ዝሐለፈ 30 ዓመታት
ኣይሃሰን እቲ ስንብራት
ናይቲ የዋህ ህዝብና ንብዓት
ኣብ ዝባንኩም ኣሎ ከዳዓት’’

ህዝቢ ኤርትራ ብዓለም ምስ ተረስዔ
ካብ ዓገብ ዝብል ዘጣቕዕ ምስ በዝሔ
ዕምሪ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ምስ ተናውሔ
ደላይ ፍትሒ ጀኔቫ ከይዱ እንተ ነብዔ
ኣውያቱ ን30 ዓመታት ዘይተሰምዔ’’

ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኣይኮነን ተዘሚቱ
ጋኔን ኣስመራ ምስ ኣተወ ምስ ሰዓብቱ
ሕግታት እንዳባ ኣፍሪሱ ሹዑዩ ሃውቲቱ
ካህናትን መሻይኽን ኣለዉ ምሱኡ ዝሕተቱ’’

ንቡጹእ ወ ቅዱስ ኣቦና
ኣንጦንዮስ ምስቶም መላእኽቲ
ኣብ ገነቱ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቲ
ኣንዳበልና ነፋንወኩም ኣመንቲ’’

ንስድራቤቶምን ንህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብና’’ጢሊ ይግደፉልና’’ጾሎት ኣቦና ኣንጦንዮስ ብላዕሊ ውን ኣይፈለየና’’ ኣሜን ኣሜን።
ስዕረት ንፋሽሽታዊ ጉጅለን ኣገልገልቱን’’ብሽም ሐርበኛታትን ዋዕሮታትን’’ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print