ዓወት ንመጋቢት8ኣህግራዊት መዓልቲ ጓል ኣንስተይቲ ዓለምን ኤርትራን

ኣብ ግንባር ተሰዉኤን ኣብ ተሐኤ
መግዛእቲ ተሐግሒጉ ምስ ወጽኤ
ደርጊ ብህግደፍ ምስ ተተከኤ ጸበባ
ውጺኢት ቃልሰን መሰል ዘይረኸባ’’

ህያውዩ ታሪኻ ኤርትራዊት ዜጋ
ንኤርትራዊት ሐየት መን ክዳረጋ
ዋዕሮታትና ንርስተን ዝኸፈላ ዋጋ’’

ቆራጽነት ኤርትራዊት ሐየት ክዝክሮ
ቀዳመይቲ ስዉእቲ ኣለም መስፍን ዋዕሮ
ዛህራ ፋጥና እንዳ በልኩም ክዝርዝሮ
ዓዲ ዋዕሮታት ዶ ህግደፍ ምተቛጻጸሮ’’

ክብረታ ተቐንጢጡ ኤርትራዊት ኣደ
ነጻነት ተረኺቡ እንተ በልካስ ዝገደደ
ዕጭኡ ናብ ውግእ ኮይኑ ዘዝተወለደ’’

ታሪኽ ዘለወን ኣደታት ኣለዋ
ንኤረና መሳብንቲ ትግራይ ሽዋ
መረብ ሰጊሮም ምስ ወረርዋ
በርበረ ዓጢቐን ንርስተን ዝሐለዋ
ካብ ዓመጽ ክብረን ሐልየን ዝተበጀዋ’’

ንሐየት ዋዕሮ ጓል ኤረይ
ኣደይ ዶ ክብላ ካላኣይተይ
የሕዋተይ ዶ ክብለክን ብጾተይይ
ከይተሐለለክን ትብላዘለክን ሪመይ’’

ዋዕሮታት ብሕጊ ተገዛእ ዘድመጻ
ድሕሪ ነጻነት ንህግደፍ ዝተቃወማ
ብኣስካሉን ሶፍያን ዝተጠለማ’’

ኣስተር ኣሰተር ሰናይት ምርያም
ብዓመጽ እንበር ዘይኣምን ሰላም
ይነብራ ዘለዋ ኣብ ኣንደር ጸላም’’

ኣብ 8 መጋቢት ኣህግራዊት መዓልቲ
ንዝኽሪ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ
ንድርብ ወጽዓ ዝተቃለሰት ብጸይቲ
ንነጻነት ዝኸፈላ መውጋእት መስዋእቲ’’

ዓጢቐን ተዋጊኤን ዝተዋጋኣ
ታሪኽን ተንቲንካ ዘይውዳእ
ንጉሒላ ዝበላ ብሕጊ ተገዛእ
ንፍትሒ ነጺጉ ንህዝቢ ዝጻባእ
ብጉጅለ ህግደፍ ዶ ህዝቢ ይግዛእ’’
መጸዋዕታ ብስኒት ያኣክል ክትብላ
ኤርትራ ነጻ ምስ ኮነት ካብ ጉሒላ
ኣብ ዓደቦኽን ንመጋቢት 8 ክተብዕላ
ንኤርትራዊት ኣደ ክሕሎ መሰላ’’

ዋዕሮታት ኣለዋ ልሳነን ዘይዓጸፋ
ድሕሪ ስዕረት ጃንዳ ክብቅዕ ግፋ
ኣደታት ኤርትራ ውላደን ክሐቑፋ
እተን ዝያዳ ዘለወን ዝመስለን ሐለፋ
ኣፍቃሪት ድያብሎስ ልሳነን ክዓጽፋ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ኣገልገልቶምን’’ ገጣሚ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን መጋቢት 8 03 2022።

 

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print