ሕልሚ ኢትዮጵያዊያን ባሕሪ

ገ እንዳ በሉኻ ዶ ትጋገ
ንሕና ንሱ ብውሽጢ ብደገ
ሰዓብቲ ህግደፍ መጋሚገ’’

ክሳብ ማዓስዩ ንህዝብና ከጋጊ
ናብ ቀይዲ ንመተካእታ ደርጊ
ንዩሁዳን ሰዓብቱን ናብ ሕጊ
እዚዩ ናይ ኤርትራዊያን ባህጊ’’

ሕልሚ ኢትዮጵያዊያን ባሕሪ
ሕድሪ ናይቲ ብመሬት ብባሕሪ
ዋጋ ከፊሉ መእተዊ ዝሐሪ
ብንሕና ንሱ ተጠሊሙ ሕድሪ’’

ንድሕነት ሃገራዊያን እንዳባ
ንኤርትራ መንዩ ዋሕሳ ህዝባ
ንሳነ ሞ ክነጋላግሎ ካብ ጸበባ
ክቅበለናዩ እንዳበለ መርሐባ’’

ብዙሕዩ ጉልባቡ ዘይተቀልዔ
ተቓዋሚ ኢሰያስ መሲሉ ዝጸንሔ
ዕምሪ ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ዘናወሔ’’

ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ ኢሱ
ኤርትራዊ መሲሉ ተጓዒዙ
ንህዝብና ብሃይማኖት መሪዙ
ንዓመታት ብፍርሂ ኣደንዚዙ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብሪህዎ ገጹ’’

ኣብ ካላኣይ ሃገርዊ ጉባኤ
ተሐኤ ዝተፈጠረ ዑሙምታ
ጭርሖ ሻዕብያ ካምታ ዘላታ
ብስዉራት ካድራት ሆይሆይታ
ንሰራዊት ተሐኤ ጸልይዎ ብኣሉታ’’

ንምብትታን ተሐኤ ስለ ዘይተቀበልናዮ
ተኣኻኺብና ንዳግማይ ትሳኤ ዝሃነጽናዮ
ድሕሪ ነጻነት ዕጥቅና ምስ ኣዝለቕናዮ
ነቃዕ ፈጢርና ንዩሁዳ ዕድል ሂብናዮ’’

ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ተሐታቲ
ካብ 82 ክሳብ ሎሚ ተቃወምቲ
ን31 ዓመት ግዝያዊ መንግስቲ
ናይ ጭፍራ ህግደፍ መጻወቲ’’

ሉኡኽ ኣስራተ ካሳ ተዓዊቱ
ንሕልምታት ህዝብና ኣጸልሚቱ
ሐደ ህዝቢ ኢና ኢሉና ንምሸቱ
ንደርጊ ካብ ዝትክእ 31 ዓመቱ’’

ብመሪሕ ሰውራ ጅግና ዓዋተ
ብጀጋኑ ደቁ ከምዘይ ተዓወተ
ኤርትራ ዓድና ወላዲት ሾሞንተ
ሕማቕ ጅግና እንተወለደ ተቐልተ
ጅግና ሕማቕ እንተ ወለደ ተዘምተ’’

ዝቐደመ ውዲት ዘይፍትሐዊ
ዳግማይ ውዲት ምስ ዘይሃገራዊ
ንበሰላ ህዝቢ ኤርትራ ክነሐዊ
ያኣክል ላምባ ምክዓው ናብ ሐዊ’’

ህዝቢ ኤርትራ ዝደሊ
ኤርትራዊ ዝውንኖ ሐይሊ
ንፋሽሽታዊ ህግደፍ ዝኣሊ
ኤርትራዊ መንግስቲ ዝተክል ብዕሊ’’

ኣነ ኽመርሕ
ንጽባሕ ይጽናሕ
ንድሕነት ህዝቢ ንስራሕ’’

ስለዚ መንገዲ ምስ ደቂ ዓዲ
ፍትሒ ነጊሱ ክንኣቱ ንዓዲ
ንዩሁዳን ሰዓብቱን ናብ ቀይዲ
ንሱዩ እቲ እንኮ መንገዲ’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን’’17 ግንቦት 2022።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print