ክብሪ ንባሕቲ መስከረም ጀማሪት ብረታዊ ቃልሲ

(ክብሪ ንባሕቲ መስከረም ጀማሪት ብረታዊ ቃልሲ) ህዝቢ ኤርትራ’’ህሌና ኢንበደ ነቐብሉ ምድርና።
መስከረም ኢልካ ሐምድን ብጾቱን ጀጋኑ’’መስከረም ኢልካ ታሪኻዊት ጎቦ ኣዳል’’ይእመኑ ኣይእመኑ’’መስከረም ኢልካ እምቢ ንመግዛእቲ’’ን30 ዓመታት ናይ ጀጋኑ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ’’ብጅግንነት ናብ ዋናታቱ’’ተመሊሱ ኤርትራዊ ርስቲ’’ንሃይለ ስላሴ ንደርጊ ኣፍሪስና’’ተኪእና ኢሰያስ ዝመርሖ ህግደፋዊ ፋሽሽቲ’’ብሕጊ ጫካ ን31 ዓመት’’ ህዝቢ ኤርትራ ዘመረጾ ግዝያዊ መንግስቲ።

መስከረም ደሃይኪ ኣስምዕና ሎሚ
ብህግደፍ ተቖጽዩ ናይ ህዝብና ሕልሚ
ብውሽጥን ብደገን ክንወጽእ ካብ ሰልሚ

መስከረም መንገዲ ሐድነት ሐብሪ
ካብ ሱሩ ክመሖ ቲ ዝጠለሙ ሕድሪ
ናብ ቀደሙ ክምለስ ናይ ህዝብና ክብሪ’’

ሕጂስ ያኣክል በበይንኻ ኣነ ኣነ
ብሕጊ ክንፈድዮ ናይ ህዝብና ሐነ
ካብ ሕጊ ጫካ ወጺኡ ብሕጊ ክዳነ’’

ኣብ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ
ንዲሞክራስያዊ ንለጢ ሕጂ ቃል ንእቶ
ንፋሽሽታዊ ጉጅለ ተሳኒና ክንምክቶ’’
ብውሽጥን ብደገን ክህወጽ
ንህግደፍ ክነርግጾ ረመጽ
ቃልሲ ኣብ ባይታ ንምረጽ
ክብሪ ኤርትራዊያን ክራጋገጽ’’

ሕጂ ንናሳሕ ያኣክል ፋሕ ፋሕ
ካብ ውዲት ወጺና ብስኒት ክንሰርሕ
ህዝቢ ኤርትራ ብቅዋም ብሕጊ ክምራሕ’’

መስከረም ንዘለኣለም ከቢራ ትንበር
ብደምና ዝተራጋገጸ ልእላውነት ሃገር
ኣይነፍቅድን ብውዲት ዑሳባት ክድፈር
መስከረም ትብላላ ኤርትራዊ ሕጂ ስመር
ተሳኒኻ ብደገን ብውሽጥን ውፈር ውፈር’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርንሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን ሐደ መስከረም 2022።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print