(መንዩ ገንሸል መንዩ ቲ ጉሒላ ተዃላ)
ንጅግና መልኣከ ከም ዝስዋእ ኣራጋጊጹ
ምስጢር ለይቲ ከውጻኣሉ መሪጹ
ካብቶም ክቅንጽልዎ ዝሐንጸጹ’’
ኮኾብ ሰሜን ዶ በልካዮ
ንዶክተር ፍጹም ናቱ ሂብካዮ
ነቲ ኮኾብ ሪኢና ዝሰኣናዮ’’
ኣብራሃለይ ካብቶም ተጸፍዮም ዝጸንሑ
ንህዝባዊት ውድብ ተሐኤ ክፍንጥሑ
ኣብ ምህዳን ንተጋደልቲ ተሐኤ ሴፎም ዘብልሑ
ናብ ኢሰያስ ዝሰለመ ምስቶም ተዃሉ ተማራሪሑ..
ከም ሕድራይ ጀጋኑ ኣለዉና ኣለዋና
ንባርነት ኣይኮኑን ዝተበጀዉ ሰማእታትና
ሕድሮም ንምትግባር ጸረ ህግደፍዩ ቃልስና
ውላድ ዓጀ ኣበደን ኢንበደ ነቐብሉ ምድርና
ህሉዋት ተጋደልቲ ተሐኤ ነበር እዚዩ መልስና’’
ጭጉራ ሃሪማ ተእዊ
ተበለል ኢሉኳ ሐሳዊ
ዓዲ ጀጋኑ መዕነዊ’’
ጅግንነት ውድብ ተ,ሐ,ኤ ንዓለም ዘዛረበ
ንፍትሒ ይቃለስ ኣሎ ከማኻ ኢዱ ዘይሃበ
ንድሕን ህዝቢ ከይውስን ዓንቀፍቲ እንዳ ረኸበ’’
ሕጹብ መዓንጣ ከም ኣብራሃም ተኽለ
ዘይኮነ መንደላይ ተመን ኣብርሃለይ ክፍለ
ጉድካ ክትንተንዩ ብታሪኽካ ዝፈልጥ ዘበለ’’
መንዩ ቲ ገንሸል መንዩ ቲ ቶኹላ ጉሒላ
ደም ዶ ክተር ፍጹም ዘፍሰሰ ሕልኩስ
ሉኡኽ ኢሰያስ ዶ ክብለካ እኩይ ርኹስ
ብተልእኮ ደም ንጹኡሃት ጀጋኑ ዝፍስስ’’
ኣብረሃለይ ሎኽመኛ ዶ ክብለካ መዳናገሪ
ፊት ንፊት ዘይገጥም መዓንጣ ኣልቦ ግብሪ
ደም ጀጋኑ ይጽበየካ ሎ ሃልሃልታ ረመጽ ጓህሪ
ጀጋኑ ሰራዊት ሐርነት በኣኻ ሲኢኖም ክብሪ’’
ከም ኢሰያስ ሉኡኽ ናይ ኢትዮጵያ
ከም ኣሰለት ደም ዝሰቲ ድጉል ሻዕቢያ
ሐደ ካብቶም ጀነራላት ኢሰያስ ጉጅለ ማፍያ
ብሰንክኹም ናብ ባርነት ወዲቑ ህዝቢ ኤርትረያ’’
ሰራቂ ሞባእ ባዕሊ ይላፋለፍ
ናይ ኢሰያስ ዑሱብ ኣባል ጭፍራ ህግደፍ
ኣብራሃለይ ደም ኑጹሃት ኣቢሉካ ሃለፍለፍ
ስኑድ ኣሎ ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ ተላፋለፍ’’
ንጅግና ዶተር ፉጹም ብመደብ ቀቲሉስ ተባሪቓ
ዘይሐሰብካ ዮ ርኸብ ኣይመርግርም ኣይምርቃ
ዓዲ ጀጋኑ ሰማእታት ኣብ ኢድ ከዳዓት ወዲቓ
ብዋህዮታት ህዝባዊት ውድብ ተ.ሐ.ኤ ሐቒቓ’’
መልሲ ካብ ኣባላት ውድብ ተ፣ሐ፣ኤ
ተናዘዝ ተዳሊና ኣለና ንዳግማይ ትንሳኤ
መንዩ ኣብ ኣንጎሎታት ከሰላ እንዳ ተሐብኤ
ንጀጋኑ ተጋደልቲ ብተልእኾ ኢሰያስ ዘጥፈኤ’’
ኤረና ብሕግን ቅዋምን ክትምራሕ ዝሰርሑ
ካብቶም ኤርትራ ንኤርትራዊያን ዝጭርሑ
ከይተሐለሉ ለይትን ማዓልትን ዝሰርሑ
ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ ብዓውታ ዘቃልሑ»
ኣብ ፍትሐዊ ኤርትራ ንመጻኢ
ኣብራሃለይ ናይ ኣርዮስ መሳርሒ
ከም ኣብ ጎልጎል ዝወግሖ ዝብኢ
ሐቂ ተዛረብ ምስ ወግሔ የለን መሕብኢ’’
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ኣገልገልቶምን፣ንከደምቲ መረብ ምላሽ ኤርትራዊያን ኢና በሃልትን’’ገጣሚ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 2024።