ኣገዳሲ አዋጅ ፦

ጅግና ሓፋሽ ህዝብና፦

ተጋደልቲ አባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

አብዚ ግዜ ዚ መድረኽ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ንሃገርናን ንህዝብናን አዝዩ ናብ ጸልማትን ጸቢብን ገለርያ ዘእተዎም ብልሹው ስርዓት ውልቀ-መላኺ ስርዓት ሻዕብያ ን ምስቲ ዘልዎ ሰነ አእምራዊ ሕማም ሓደገኛ ለውጥታትን ኣገዳሲ ምዕባለታትን የጋጥመና ኣሎ፣

እቲ ውግእ ናይ ሓርነትና በዓወት ምስ ተዛዘመን ህዝብና በቲ ንሰላሳ ዓምታት ተቃልሶኡን ዝኸፈሎ ን መስዋእትነት በልዕላውንትን ናጽነቱን ንሃገሩ ተቆጻጸረ። ከምቲ ግቡእ ኤርትራውያን ን ሃገሮም ንምህናጽን ንሃገራዊ ን ምዕባለ ባህርያቶም ንዓለም ንምርኣይን ናጻ ክዀኑ ነይርዎም፣ ከመኡውን ኤርትራ ኸኣ ኣብ ርግኣትን ናይቲ ዞባ ራህውን ቅንሳነትን ዓቢ ኣበርክቶ ክትገብር ኣወንታዊ ረቛሒ ምዀነት ነይራ፣ እንተዀነ ግን ብምኽንያት ትዕቢትን ሸለልትነት ፖሊሲታትን እቲ ስርዓት ንሃገርና ናብ ትርጕም ኣልቦ ውግኣት ኣእተዋ፣ ውጽኢቱ ኸኣ ትርጕም ኣልቦ ውግኣት ኰነ። እቲ ውጽኢት ጽቡቕ ደም ፍቑራት ነፍሳት ከምኡውን ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ትሑት ክእለት ምብልሻውን ምጥፋእን ኣስዓበ ።

ተጋድላይን ተባዕ ሓፋሽ ህዝብና።

ንሕና ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብቲ ዕጡቕ ቃልሲ እተኻየደሉ እዋን ኣትሒዝና ድማ ነቲ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ተቓውሞ ጀሚርና ምንቲ ሓድነት ዕላማ ኣመንቲ ኾይና ቐጽልና ነቲ ጭርሖ (ሃገራዊ ሓድነት ምእንቲ ዓወት ንምርካብ ቀንዲ ዕላማ ኢዩ) ሽቶኡ ድማ ተቐበልናዮ በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብ መንጎ ብዙሓት ህዝብና ብፍላይ ከኣ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ካብ ዝተረፉ ጕጅለታት (ሓድነት) ፈሊና ብዙሕ መስዋእትታት ከፊልና።

አቲ ግዜ ንሕና ንቲኣ ሓድነት ንምዕዋት ብዚሕ ነገራት ገዲፍና ከንምዕብላን ጻዕሪታት ክንገብርን ከለና ካልኦት ኬውጽኡናን ካብ ጽልዋ ኼርሕቑናን ይጽዕሩ እኳ እንተ ነበሩ ንሕና ግን ንስርዓታትናን ሸቶታት ህዝብናን ዕላማኡን አጥቢቕና በ ግቡእ ኢና እንሕሉ ኔርና ።

ኣብ መጀመርታ 1980ታት ምስ ጭንፈር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ስምመዕ ገርና ምእንቲ ሓንቲ ሃድነታዊት ውድብ መስሪትና ንቲ ተግባራት ናይ ህዝባዊ ግንባርን መሻርኸታን ዘይ ቅዱስ ምሕዝነታን ንበይና ሜዳ ኤርትራ ክተብሕት ትገብሮ ዝነበርት ተግባራትን ጽዕርተታ በሓባር ክንገጥም ወሲና ።

እንተዀነ ግን እተን ውድባት ነቲ ኣሃዱ ዘውጽኦ ሸቶታት ንምውቃዕ ኣብ ክንዲ ዝጽዕራ ካልኣይ ጕዳያት ብምልዓልን ነቲ ኣብ መንጎ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ካድራትን ዘሎ ምትእምማን ንምድኻምን ብምዕያይን ነቲ ፍልልያት ኣዕሚቖምዎ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነዚ ፈተነ እዚ አይተዓወተን ካብዚ ኮነታት ኸኣኒ እቲ ዝዓበየ ዝተጎደአን እተተንከፈ እቲ መሰረታትን ካድራትን ተሓኤ ዝምድነታታ እዩ፣

ተጋዳላይ ህዝብና

ፈተውቲን መሓዙታት ሃገራዊ ቓልሲና፦

ህዝቢና ናጽነቱ በቃልሱን መሰወቱን ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ መንዚዑ ን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ኬልግስ ምስ ከአለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ንሃገራዊ ዕርቂ ተበግሶ እኳ ጽዊዒትን እንታቅረብት ፣ እዚ ተበግሶ እዚ ግን ብብዙሕ ምኽንያታት ፈሺሉ ኢዩ ። ገለ ኻብዚ ድማ እቲ ጨቋኒን አላይን ስርዓት ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ትዕቢተን ትምክሕትን ናይ ምዕዋት ሒዝዎ ጸኒዑን አይተቀበሎን ። ከምኡውን እተን በውልቀ – ሰባትን ጕጅለታትን ዝሃብወን መልሲ ውድባተን በ ምፍራስ ኢደን ክህባ ከለዋ ተጋድሎ ሓርነት ኣብ ጽንኩር ኵነታት ምጽራርን ቃልሳ ቀጸለት ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1992 ካልኣይ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ አወጀት፣ አብዚ ግዜ ዚ እቲ ስርዓት ምስ ጐረባብቱን ደገፍቱን ምስ ዝምድና ዝነብሮ መሻርኽቱን ጎረባብቱን ዝምድናኡ ተበላሸወ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሐዲስ ተበግሶ ምእንቲ ሓድነት ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ምእንቲ አንጻር እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት አብ ቃልሲ ክስለፋ አቅረበትን ንቲ ሓድነታዊ ቃልስን ተቃውሞ እውን መረሐት።

ኣብ ግንቦት 2002 ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ(ተሓኤ)ን ከምኡውን ሃገራዊ ባይቶ በቀደም (ሰውራዊት ኮሚተ) ትባሃል ዝነበርት፣ እቶም ክልተ ሰልፊ ድማ ተሰማምዑ ሓድነት ተገራ በ ምትሕንፋጽ ተዛዘመት።

ዕላማ ናይቲ ሓድነት ከኣኒ ነቲ እተን ክልተን ውድባት ዘለወን ክእለትን ዓቅምን ኣንጻር እቲ ዘሎ ስርዓት ናይ ተቓውሞ ግንባር ንምድልዳልን ከምኡውን ነተን ኣብ መደባተን ዝቐረባና ዝተረፋ ውድባት ነዚ ንምስዓብ ከምኡውን መሰረታትናን ሓፋሽ ህዝብናን ንምቛም ንምትብባዕ ህዝብና ንምድሓን ኢዩ ነይሩ ።

ድሕሪ ግዜ ግን ነቲ ዕላማ ናይ ሓድነት ሸቶታት ንምውቃዕ ዋላ ሓንቲ ምምሕያሽ ኣይተራኣየን፣

ካብ ቲ ሻውዓይ ጎባአ ከንሱ ቅዳማይ ጉባአ ድሕሪ ቲ ሓድነት በ ምዃኒ ኣትሒዙ ገለ ፍልልያትን ተቐልቀለ ክረአ ምስ ጀመረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ሓደ ሽነኽ ናይቲ ሓድነት ንቲ ኩነታትን ተርእዮታትን ዄንና ን ኽንፈትሖን ክንዕቅቡን መፍተሒ ኽንገብረሎምን ጀመርና፣ እንተዀነ ግን እቲ ዅነታት ቀጸለ፣ ከመኢውን እቲ ዅነታት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሐ፣ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም ናይ ምንቕቓሕ ጻውዒት ጌርና ዝረኣናዮ ዓስራይ ጎባአ እንተዀነ ግን እቲ ዝኸፍአ ኢዩ ነይሩ ገለ ዓይነት ፍታሕ ኽንገብር ድማ ንጽዕር ነበርና እንተዀነ ግን ብፍላይ እቲ ፈጻሚ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሐን ኣባላቱ ምትእምማን ስለ ዝጐደሎምን እቲ ዅነታት ኣይተዓወተን።

ጽኑዓት ሓፋሽ ህዝብና፣

ከም እትፈልጥው ነቲ ኣብ ዞባና እተራእየ ምዕባለታት ብፍላይ ከኣ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሕዳር አብ መንጎ ኢትዮጵያ- ኢትዮጵያ እተባርዐን ዝቐጸለን ዘሎ ውግእ ፣እቲ ኣብ ኣስማራ ዝነበረ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንሃገርና አብ ጥቕሚ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ውግእ ዝለዎ ወገን ጎኒ ኾይኑ ሃገርናን ህዝብናን አብ ዘይ ደለዮ አብቲ ውግእ አእትይዎ እዩ።

እዚ ውግእ እዚ ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓድሽ ክውንነትን ሳዕበንታት ኣፍርዩ ኢዩ፣ ነዚ ምዕባለታት እዚ ድማ ተቓውሞ ኤርትራውያን ውድባትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንህዝብናን ንምድሓንን ለውጢ አብ ሃገርና ክነምጽእ ክንጥቀመሉ ኣድላዪ እዩ ። ይኹን እምበር በዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምኽንያታት እቲ ውድብ ኣጻብዕቱ ኼንቀሳቕስ ኣይከኣለን አቦ ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ድማ ንቲ ኮነታት መፍተሕን ምፈዋስ አይገበረሉን ንቲ ውድብ የሆዋ ድማ ካብ ድቃስ ናብ ምንቅስቓስ ኣየግዓዞን። ነዚ ዅነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓድ ፍታሕ ንምርካብን ተጋድሎ ሓርነት ኣርትራ ኣብ እተፈላለየ ደረጃ መሪሕነትን ጨንፈረታትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ተሓኤ ብተክኒካዊ መራኸቢ (ZOOM) አኺባ ገርና ነቲ ዅነታት ንምጽናዕን ነቲ ዅነታት ብምምይያጥን ብምግምጋምን ነቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባይቶ በቀድም ከምዝባሃል ዝነበረ (ሰውራዊት ኮሚቲ)ን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ ውድባዊ ምጽንባርን ርክብን ንምቍራጽን ውሳነ ገርና ወሲድና ።

ኣብ ሃገራዊ ቓልሲ ኣወንታዊን መሰረታዊ ግደ ምእንቲ ኺህልወናን ሸቶታት ዕላማ ህዝብና ምእንቲ ኽንወቅዕን ተሰማሚዕና መሪሕነት መስሪትና ኢና ።

እዚ ሰውራዊ ስጕምቲ እዚ ንዕላማታትን ስርዓታትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከምኡውን ዕላማ ህዝቢና ነቲ ኣብ ክሳድ ህዝብና ዝቈጻጸርየሎ ውልቀ – ምልካዊ ስርዓት ንምቅዋም ብዝግበር መገዲ ኣብ ሃገራውን ዞባኣውን ደረጃ ርክብ ንምምስራት ሃገራዊ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ ኣበርክቶ ኽገብርን እጋምና ከነብርክት ተስፋና እዩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ንሕና ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ፖሎቲካውን ቃልሳዊ ግደና ንምትግባር ን ከምቲ በቅድሚ ሕጂ ምስ ተቃውሞ ውድባት ን ደሞክራስያዊ ጽላል በ ቀጻሊ ውን ንሃገራዊ ባይቶ ንምምስራትን ነይ ሓባር ምስራሕ ዝገበርናዮ ቀጻሊ ሙኻኑ ነርጋግጽ፣ ንኩሎም ሃገራዊ ውድባት ንሃገራዊ ባይቶ ምዕባል በ ሓባር ሰርሕና ካብቲ ዲክታቶርይዊ ስርዓት ንህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ንበገስ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክፍሊ ናይቲ ዞባኣውን ኣህጉራውን ሃዋሁ ምዃና ዝምድናታታን ርክበታን ምስቶም ናይ ህዝብና ንምቅዋም ዝገብርዎ ቃልሲ ነቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ – ምልካዊ ስርዓት እምነት ዛልዎም ሰልፊታትን ማሕበራትን ሕውነታውያን ርክብ ንምቕጻልን ንምድልዳልን ከም ተዓዪን ንገልጽ።

በምኽንያት እዚ ሰውራዊ ስጕምቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንመሰረታታን አብ ዝተፈላለየ ቦተታት ዝርከቡ ፣ መርሕነት ጨንፈራትን ካድራትን ማሕበርውያን ጕጅለታትን ኣብ ኵሉ እዚ ደረጃታት እዚ ትዕግስቲ ገሮም ንኹሉ ተጻዊሮም ዚገብርዎ ቓልሲ ኣኽብሮትን ተሓኤ መጎስን ተቅርብ። ከመኢውን ነቲ ፌትውራሪ ውድቡም ተጋድሎ ሓርነት ኣርትይ ንምድጋፍ ዝገበርዎ ቓልሲ ዕጽፊ ኺገብርዎ ንጽውዖም ።

ከም አኡውን ንቶም በሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ፕሮጀክት ዘሓልሙ ኤርትራውያን አብ ካብ ብዘለውዎ ቦታኦም አብ ጎኒ ተጋድሎ ሓርነት ተሰሊፎም ክቃለሱ ንላቦ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ፈላመይትን ተዓዋቲት ኰይና ትንበር

ተቃላሳይ ህዝብና ምእንቲ ንናጽነትን ፍትሕን ዲሞክራሲን ንዘልአላም ይንበር ።

ክብርን ዘዘልአላም ዝክኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ፈጻሚት ሽማግሌ

ነሓሰ 2021

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print