መራሕቲ ጨናፍራት ተሓኤ ኣብ መዓስከር ስደትኛታት ዝነበሩ ንአቦ ወንበር ታጋዳላይ ሑሴን ካሊፋ ጻውዒት አቅሬቦም ብዕለት 20.05.2022 ዑድት ገበርሎም።
እቲ አኼባ ብጣዕሚ አጋዳሲ አኼባ እዩ ነሪ።እቲ ኣኼባ አብ መሓውር ስዊእ ተጋደላይ መሕሙድ ሓሰብ እዩ ተኻይዱ።እቲ አኼባ ብቃል መራሒ ናይ አቲ ማሓውር አባል ማእከላይ ባይቶ ደክቶር መሓመድ አሕመድ እዩ ተኸፊቱ።
ድሕሪኡ ዕድል ንአቦ ወንበር ተጋድሎ ሓርነት ተዋሂቡ’’ ውሽጣውን ወጻኢ ኮነታት ናይ ወድብ ብሰፊሕ አብሪሁ ከምኡ ውን እቲ አብ ዝሓልፈ ግዜ ዝተከየድ ስራሓት አሞጒሱን’’ ንመጻኢ ውን ኣድማዒ ተሳታፍነት ክትህሉ ብትሪ ተማሕጺኑ።
ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኣብ ግምት ብምእታው’’ዞባውን ኣህጉራውን ፖለቲካዊ ኩነታትን’’ ኣብ ኤርትራ ዘሕደሮ ጽልዋን አስፊሑ ገሊጹ።እቲ ዝፈሸለ ፖሊሲታታን እቲ ንህዝብና ንምድንጋርን’’ ከምኡ ውን ሓድሽ መግዛእቲ አብ ኤርትራ ንምትካል ዝገብሮ ዘሎ’’ አብቲ ዞባ ዝገብሮ ዘሎ ትርጕም ኣልቦ ውግኣትን ስለዝኾነ’’ ክንቃወሞን ክንገጥሚን ክንዳሎ አሎና ብምባል አትሪሩ ገልጾ።
ከምኡ ውን አብቲ ዘሃቦ መግልጺ ሃገራዊ ባይቶ ክሰፍሕን ክምዕብልን ይግባእ’’ ምእንቲ ሓድነት ውድባት አብ ግብሪ ውዒሉ’’ንዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቅ ብሐድነት ክንቃለስ።
እቲ ተሳትፎታት አብቲ አኽባ ብጥዕሚ ዝሑግስ እዩ ነሩ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተኻፈላ ጨናፍራት’’ጨንፈር ስዉእ ተጋዳለይ ሕሚድ ማሕሙድ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ዑመር ዘመኒን ስውእ ተጋዳይ ድንጉስ አርይን ስውእ ተጋዳይ ኣልኣሚን ዑስማን ሰውእ ታጋዳይ ዑስማን ሳልሕን ነበሩ።
መራሕቲ ናይተን መሓውር እድሪስ ሮማዳንን ተጋዳለይ ኢብራሂም ሙሸ ብዝተግብረ ምዕባለታትን ስራሓትን ብክብሪ አሞጒሱ። አብቲ አኼባ ውን አባላት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለ ተረኺቦም አድሚቖምዎ እዮም’’ነቲ ንለበዋታቶምን ንሪኢቶታቶምን ድማ አቦ ውንብር ብክብሪ ተቅቢልዎ’’ ገንዘባዊ ሓገዝ ውን ካብተን ጨናፍራ ነቲ ውድብ ተዋሂቡ፡አብ መጨርሻ እቲ ኣኼባ ንኽብሪ ሰማእታትና ድሕሪ’’ናይ ሕልና ጾሎት ዶዓ ጠጠው ብምባል ተዛዝመ።
ተሔኤ ንዘላልም ትንበር’’ስዕረት ንፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍን ዓንገልቶምን።