መለይ ሎሚ ኣይኮነትን ኣንበልቢላ

መለይ ሎሚ ኣይኮነትን ኣንበልቢላ

ሕጂ ግርም እወ ሕጂ ግርም
ካብ ሃገር ጀርመን ዝተበገሰ ንቕሎ
ተቓውሞ ናይ ኤርትራዊያን ውዕሎ
ኣቃላልሳና ንፋስ ከይኣተዎ ከሎ
ንለውጢ ጽፉፋት ደቀባት ንኣኽሎ’’

መለይ ሎሚ ኣይኮነትን ኣንበልቢላ

ኣውሊዔይ ብሉጻት ዝወደቁላ
ድሕሪ ስዕረት ጉጅለ ጉሒላ
ኤርትራዊያን ኣደታት ክዕልላ
ኣብ ኤክስፖ ክትከል ዩ ጓይላ’’

ሕጂ ግርም እወ ሕጂ ግርም
ተቃውሞና ንውሽጢ ክልሕም
ዕንደራ ህግደፍ ኣብቅዕ ደጊም
ንጉድለታትና ብኣጋ ንኣርም’’

ህግደፋዊያን ሎኽመናታት
ኣምለኽቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት
ብሰንክኹም ን32 ዓመታት
ኣይነቀጸን ናይ ኣደታት ንብዓት’’
ሕጂ ግርም
ክሳብ ማዓስ ክሕጎሱ
ዳሶት ዩሁዳ ፈሪሱ
መራሒኦም ኢሱ
ድሙ ድሙ ሰትዩ
ኣብ ዓራቱ ተረሚሱ’’

ብተመን ዝሰንበደ ብልሕጺ ተዳህለ
ካብ ምኩራት ለበዋ ተቐበሉ
ነቲ ትብዓት ንቕሐት ወስኹሉ
ብቆርበት በጊዕ ዝተኸደኑ ተዃሉ
ብፈተውቲ ዝመሰል ከይትህመሉ’’

ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ
ብሐለምቲ ከይትወርድ ናብ ዕዳጋ
ዳግማይ ከይትኸፍል ከቢድ ዋጋ
ኣብ ነብስኻ ምትእምማን ብኣጋ’’

ዕንደራ ጭፍራ ህግደፍ ያኣክል
ደቀባት ብደገን ብውሽጥን ክንቃባበል
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲማራ ክዕለል’’

ካብ ኤሊት መረብ ምላሽ ተጠንቀቑ
ጌጋዩ ብዜማታቶም ኩዳ ኣብ ኣዳራሽ
ኤርትራዊ የ በሎም ከይትተርፍ ብላሽ’’
ተቃውሞ ኣብ ድያስፖራ
ኣስላም ክስታን ብሐበራ
ለውጢ ብደቀባት ኤርትራ
ናይ ጉጅለ ኢሰያስ ምሕደራ
ንሐዋሩ ክፈርስ ኣብ ኣስመራ’’

ሕጂ ግርም
ኤርትራ ብኤርትራዊያን ጭርሖ
ፋሽሽታዊ ጉጅለ ካብ ሱሩ ክሞሖ
ተንቤናይ ምስ ጭፍሩኡ ናብ ቀይዲ
ኤርትራ ክትከውን ዓዲ ሕጊ ፍርዲ
ቆጽሊ ዘውደቅናሉ ክመርሕ ንዓዲ’’

ተወዲብካ እዩ ዝዕወት ቃልሲ
ኣስላም ክስታን ደቀባት ደቂ ርስቲ
ፎእ ንበሎ ንጉጅለ ህግደፍ ፋሽሽቲ
ኣብ ኤርትራ ክንተክል ህዝባዊ መንግስቲ’’
ሕጂ ግርም እወ ሕጂ ግርም
ኣውሊዔይ ሕላገት ዓደቦ ሒዝካ ብጉያ
ተቓውሞ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትረያ
ጸረ ጭፍራ ህግደፍ ክሳብ ኣውስትራልያ
ብደቂ ኤረይ ዋጋ ተከፊሉ ተሰሪሑ ቅያ’’
ኤርትራ ሃገርና ኣመንቲ ኣስላምን ክስታንን ዝኾኑ ብብቋቁኦም ዝሕበኑ‘‘ብኤርትራውነቶም ዝንየቱ ደቀባት ኣለዉዋ”ንተቃውሞ ብደንበ ኢድ ምትእትታው በዚሕዎ‘‘ፍትሕዊ ቃልስና ከይዕወት ወሳኒ መሪሕ ጎዲልዎ”መግዛእቲ ህግደፍ ካብ መግዛእቲ ጥልያን እንግሊዝን ኢትዮጵያን ገዲድዎ።መምስ ዝመጸ ሆይሆይታ ያኣኽለና ኤርትራና ኣይኮነትን መኻን‘‘ኣብ ነብስና ንተኣማመን።
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን ንናይ ዘበና ኣንድነታዊያንን’’ግጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 26 08 2023።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print

ምስኡ እተተሓሓዘ ዜና