ኣዋጅ ባዕዳውያን  ካብ ኤርትራ በጅግንነት ምብራር  በዓል

 

ኣዋጅ ባዕዳውያን  ካብ ኤርትራ በጅግንነት ምብራር  በዓል

ውጽኢት 24 ግንቦት ጅግንነትን መስዋእትታትን ህዝብና ዘራጋግጾ ኣብ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ እውን ተመዝጊቡ እዩ።ንሃገሮም ካብ መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእን ከምኡ ውን ብናጽነትን ሰብኣዊ ኽብርን ንምንባር እዩ።ካብ 1940ታትን 1950ታትን ኣትሒዙ ህዝቢና ኣብ ትሕቲ ኣረኣእያ እቲ ብፖለቲካዊ ሰልፊታት ማሕበራትን ከምኡ ውን ጉጅለታት ኣብቲ ግዜ እቲ ብሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝድገፍ ዝነበረ ሃገራዊ ጉጅለ ናጽነት ብሰላም ተዋጊኦም ኢዮም።

እቲ ሰውራ ብጅግና መሪሕ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ብሐደ መስከረም 1961 ዝቐጸለ’’ካብ ቀዳማይ ወለዶ ዝተበገሰ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ ክሳብ ናጽነት ቀጸሉ ዝተዓወተ ቃልሲ’’በዚ ኣጋጣሚ ተጋድሎ  ሓርነት ኤርትራ ጽንብል 24 ግንቦት እንቋዕ ሓጐሰኩም የውሃን ንብል።

ውፉይ ህዝብና እቲ ጭካነ ዝመልኦ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ምድርና ምውጻኣ መዛዘሚ ናይቲ ኣብ ከተማታት ኤርትርያ ዝነደደ ቁሸታትን ደድሕሪ ምስጓጉን ንገሊኡ መዳያት ህይወት ምጽናት እተገብረ ወፈራታት’’ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝን’’ድሕሪ እዚ ኹሉ መስዋእትታትን መከራን ዕለት 24 ግንቦት 1991 ስቓይን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ተዛዚሙ ነጻነቶምን ሓቂኛ ክብሮምን መሰሎምን ዘራጋግጹላ’’ሓድሽ ምዕራፍ ፍትሐዊት ኤርትራ ክትህነጽ ትጽቢት ይግበረላ ነበረ፣

እዚ ኩሉ መስዋእትታት ዝተኸፈለ ፍትሕን ዲሞክራሲን ኤርትራዊ መንግስቲ ንምህንእጽ ትምኒት ህዝቢ ኤርትራ እኳ እንተ ነበረ፣ግንከ መሪሕነት ናይ ሓደ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ዝለዓለ ጫፍ ተቛጻጺሩ’’ ጨቛኒ ጨፍጫፊ ንመሰላት ህዝብና ጨውዩ ብዝወሰዶ ጽልእን ቅርሕንትን ዘለዎ ፋሽሽታዊ ጉጅለ እዩ።

ድሕሪ እዚ ኹሉ መስዋእትታትን መከራን 1991 24 ግንቦት ስቅያት ህዝብና ኣኽቲሙ ፍልልያት ፖሎቲካዊ ውድባት ብዘተ ተዛዚሙ ናጽነቶምን ክብረቶምን ንሓዳስ ኤርትራን ብፍትሕን ዲሞክራስን እትምራሕ ሃገር ክትህነጽ እዩ ትጽቢት ይግበረላ ነበረ።

እንተኾነ ግን መሪሕነት ናይ ሓደ ውድብ ህዝባዊ ግንባር  ንመሰላት ህዝብና ዘየኽብር ኣረማዊ ጉጅለ ንዝነበሮ ሰብኣዊ ሕልምታት ህዝባና ኣጥፊኡ’’ኤርትራ ካብ ቤት ትምህርቲ ብቤት ማእሰርትን ቅትለትን እትልለ ሰብኣዊ መሰል እትግህስ ሃገር ኮይና ኣላ።

ንደቂ ኤርትራ ምጕዳል ፍትሕን ጭቆናን ንተስፋታት ህዝብና ጥልመትን መለለይ እቲ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ’’በቲ ኻልእ ሸነኽ  ዘይምእዛዝን ነቲ ናይ ምዕናውን ምክፍፋልን ፕሮጀክት ንምቅዋም ዘሎና ጽንዓትን ሓደ መዳይ ህዝቢና ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ቕኑዕን ጌጋን ኣብ ዝግበር ዘሎ ውግእ ንልኡላውነት ኤርትራን ንሃገራዊ ደሞክራስያዊ ፕሮጀክት ንምክልኻልን ንምዕቃብን ይመርሕ ንዘሎ’’ኣብ ጎኑ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምዃን ነቲ ናይ ጭቆና ፕሮጀክት ክነጽጎ ኣለዎሎ።

ኣገዛዝኣ እቲ ውልቀ – ሰብ ውልቀ – ምልካዊ ኢዩ ። ነዚ ሃገራዊ ዘይኮነ ፕሮጀክት ንምዕዋቱን ነጺጎም ንምንጻልን ምስ ቶም ሓይልታት ኣብ ሐቀኛ ለውጢ ተገዳስነት ተሰማሚዖም ክሓብርዎ ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ስርዓት ህዝቢ ኤርትራውያን ኣብ ዘሎ ፍትሕን ሓባራዊ ኣፍልጦን ተመርኲሶም ሓድነት እታ ሃገርን ህዝብን ዘረጋግጽ ንጹር ፍጻመታት ከውጽኡ ኣለዎም።

ንህዝብን ምክልኻል ሐይልታት ኤርትራ’’መጸዋዕታ ብውድብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ።ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print