ኣውሊዔ መለይ ኣብ ልዕሊ ዳዕሮ ዓደቦ
እዚ ወላዲ ጅግና ህዝቢ ዶ ዓቕሉ ምጸበቦ’’
ንቃልስና ዕንቅፋት በዚሖሞ ሕልና ኣልቦ’’
ብዉሽጡ ሑሩር ንያኣክል ያኣክል
ንሰብ ስዉር ዕላማ ከይንህብ ዕድል
ይዕድም ኣሎ ኤርትራዊ ገመል
ውዲት ዘይብለ ባይቶ ክንተክል’’
ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቦኽራ ትሸይን
ኤርትራና ዓዲ ኣስላም ምስ ክስታን
መፍተት ሰለስተ ጎራሐት ከይትኸውን
ንድሕነት ህዝባን ሜሬታን ሕጂ ምውሳን’’
ን30 ዓመታት ካብ ተጠንቀቕ
ህዝቢ ኤርትራ መዓስዩ ዝላቐቕ
ካብ ርእሶም ዝንቕንቑ ከም ጠበቕ
ካብ ሰብ ስዉር ዕላማ ንጠንቀቕ’’
ንካድራት ሕንፍሽፍሽ
እንታይ ምግባር ይሐይሽ
ክሳብ ማዓስ ክንብሎም ዕሽሽ
ሐዲግካዮም ትምርሽ’’
ንፍትሒ ዶ ኣይኮንኩምን ትቃለሱ
ህዝቢ ክጸንት ጥንቅሊዒት ዝደቀሱ
ተገምጥሎም ውዲት ዝህንድንሱ’’
ኤረና ዓዲ ጀጋኑ ቆላ ምስ ከበሳ
ናብ ዕዳጋ ወሪድኪ ከም እንስሳ
ጀጋኑኺ ሲኢኖም ሞሳ’’
እሞ ኸ ኤርትራዊያን እንታይ ንግበር
ኤርትራ ባሕራን ሜሬታን ሃገር ንደቂ ሃገር
ዕላማ ህግደፍ ብልጽግና ህወሕት.ከይትግበር
ኣርማታት ምብዛሕ ንግደፎ ቅልጽምና ይሕበር’’
ያኣክል ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት
ንሐደ ሰብ ዝመርሖ ጉጅለ ባርነት
ንባርነት ክትካእ ብፍትሒ ብሐርነት’’
ብማልዶ ዝለመዱ ዝቃነ
ዓገብ ንዝበሉ ያኣክል ጠቐነ
ንህዝብና ንክፈድየሉ ሕነ’’
ንኤረና ንድሕነት ህዝባ ምስ ባሕራ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ደሜራ
ካብ ኣስላምናን ክስታናን ብሐበራ
ፈራዲ ይጽበሎ ህዝቢ ኤርትራ’’
ካብ ቶም ጥሩምባ ጥፍኣት ዝነፍሑ
ካብ ሕልና ኣልቦ ሰብ ሕልና ይበዝሑ
ሕጂ ውን ደቀባት እዮም ዘውግሑ’’
እቶም ንታሪኽ ጠምዚዞም ዝንብቡ
ታሪኾም ረሲዖም ብዕድል ዝይረኽርቡ
ብማልዶ ብልሳን ኤሊት ህወሐት ዝዛረቡ
ምውርዛይ ገዲፍኩም ልሳንኩም ኣድቡ’’
ማልዶ ዝለመደት ከብዲ
ኣይተእቱን እያ ንዓዲ
ምስ ህግደፍዩ ናታ ፍርዲ’’
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ ገጣሚ ኣባል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን’’11 01 2022።