(መጸዋዕታ ብውድብ ተሐኤ)

(መጸዋዕታ ብውድብ ተሐኤ)

ደለይቲ ፍትሒ’’ናይ ክልተ ጎራሕት ኣይንኹን መስርሒ’’ድሕሪ መሪር ቃልሲ መሬት ምስ ወግሔ’’ዘይስኒት ተቃውሞ ደንበዩ ንምልኪ ህግደፍ ዘሳጠሔ’’መስዋእቲ ዋጋ ሐርነት’’ መንእሰይ ይኸፍ ኣሎ ዋጋ’’ተዓዘብቲ ኣይንኹን ላንጋ ላንጋ’’ተዓዛቢ ምዃን ያኣክል’’ደም መናእሰይ ከይከውን መሸቀጢ’’ተቓወምቲ ገለ ቲፎዞ ጉጅለ ሐለምቲ’’ከም ጉጅለ ህግደፍ ከይኸውን ተሐተቲ።

ሕጂዩ እዋኑ ንለውጢ

ናይ ድያስፖራ ጽልዋ

ክልሕም ንውሽጢ’’

ደም ከፋስሱ እንበር ህግደፍ ካብ ማዓስ ንመስከረም ይጽንብሉ’’መልሐስ ጥራይ ኮና ተሪፍና ተቃውሞ ደንበ’’ብዕላማ ክቃለስ ንድሕነት ዓደቦ’’ንመንእሰይ ኣብ ሐደ ንኣክቦ’’ ዋሕስ ልእላውነቱ ንሪሙ’’ምክልኻል ሐይልታት ኤርትራ ይጽበሎ እንዳ ከፈለ ደሙ’’ሕጂ ውን እቲ ከይደቀሰ ዘይሐድር ኣረሜናዊ ጉጅለ’’ኣብ ምፍልላይና ከይተዓወተ’’ኣብ ሐደ ኮፍ ኢልና ንዛተ።

እዚዩ ናይ ታሪኻዊት መስከረም መጸዋዕታ’’ምስ ህዝብና ኮና ኣብ ባይታ’’መንእሰይ ብነድሪ ተላዒሉ ከሎ’ንምስሌነታት ጭፍራ ህግደፍ ብሕጊ ምፍራስ’’መደምደምታ ክንገብረሉ ሕድ ሕድ ደም ምፍሳስ’’ኣብ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ሐቢርና ክንሕጎስ’’ንሐርነት ህዝቡ ደሙ ዝፈሰሰ’’ኣብ መዝገብ ሐርበኛታት ክሰፍርዩ’’ብኢሰያስ ዝምራሕ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ፈረሰ።

ጌጋ ቀዶሞት ብናይ ዘበና ኣንድነታዊያን ከይድገም’’ህዝቢ ኤርትራ ብውዲት ዋጋ ዝኸፈሎ ያኣኽሎ’’ኣስማት ሰልፍታት ውልቀ ሰባት እንዳ ለዋወጥካ’’ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዴሜራ’’ብኤርትራዊያን ደቀባት ምሽቃጥ ያኣክል።

(መናእሰይ ኤርትራ ከይኮኑ ግዳይ)

ኣብ ዓዲ ሕጊ ሕጋዊያን ንኹን

ኤርትራና ኣይኮነትን መኻን

ኣብ ባይታ ብስኒት ምውሳን’’

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰመእታትናን ንነጻነትን ንሐነት ንፍትሐዊ ኤርትራ ዘሰንከሉን’’ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ኣገልገልቶምን’’ንናይ ዘበና ኣንድነታዊያንን’’ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን ሸውዓተ መስከረም 2023።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print

ምስኡ እተተሓሓዘ ዜና