ዓገብ ንንኡስ ንዓቢ

ድሕነት ሃገር ህዝቢ’’ዓገብ ንንኡስ ንዓቢ’’እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ’’ንሐደ ዕላማ ክንባታተን ሃየንታ’’ካብ ዉሽጡ ሑሩር ማዕዳ ንመንእሰይ ወለዶ’’ናይ ስዊስ ጀርመን ኮማንዶ’’ካብ ህግደፍ ተጠንቀቑ ኣይበልናን ዶ’’ካብ ህግደፍ ተጠንቂቕካ እኳ ንጋዶ’’
ንሰብ ሐደ ዕላማ’’’ንኣምሐራይ ጸሊእካስ ንትግራዋይ ምፍታው’’ኣታ ኤርትራዊ ከይብሉኻ ሃላው’’ካብ ኤትዮጵያዊያን ክብረትካ ምሕላው’’እንታይ ይፈልዮም ንኤሊት ትግራይ ካብ ኤሊት ኣምሐራ’’ከም ጎረቤት ቀረጽ ከፊሎም ክንዲ ዝጥቀምሉ ንባሕራ’’ን60 ዓመታት ክፈላልዩ ንህዝቢ ኤርትራ።
ጽንበሉ ኣቱም ትምክሕቲ ህግደፍ ዘዕወረኩም’’ብሳግም ዝምራሕ ሰራዊት ተሐኤ’’ ክንደይ ሽሕ ተጋደልቲ ሒዙ ድዩ ናብ ግንባር ተጸቢሩ’’ተሳዒራን ብውዲት ተበቲናን’’ዝተፋላለየ ክልተ ኣርእስቲ እዩ’’ተ.ሐ.ኤ ብውዲት ተበታቲናን ተዳኺማን እንበር ኣይተሳዕረትን’’ንህላዌና ዝጻቡኡ ከም ኢሰያስ ብዙሐት እዮም’’ተሐኤ እንተ ትሳዓር’’ዝተፋላለየ ኣስማት ሒዛ’’ ኣብ ቃልሲ ኣይምሃለወትን’’
እቶም ካብ 2010 ጀሚርኩም’’ ንህግደፍ ትቃወሙ ዘለኹም’’ ዕጫና ከይበጽሐኩም’’ካብ ተመኩሮና ተበጊስና ሐቢርናኩም’’ መንድዩ ፋሕ ብትን ዘበለኩም’’ ተበታቲንኩም እንበር መዓስ ተሳዒርኩም’’ዶስ ተ.ሐ.ኤ ተሳዒራ ዝብል ኣጀንዳ እዩ ዘለኩም’’ህላዌና ደም ዝጥዕመኩም’’እንታይ ሽግርኩም’’
ተንቤናይ ዒደር መልሕሱ”ብዓንዳ ርእሱ”ናብ ኢትዮጵያ ክመልሰና መሊሱ”ማእለያ ዘይብሉ ደም ፈሲሱ’’ኣይከሰርናን ዝብል ኣታ ክንደይ ከ ይሕሱ”ኢትዮጵያ ከይትፈርስ’ንህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ከኸፍል” ኣረማዊ ጉጅለ’’ንኤርትራዊ መንእሰይ ናብ ውግእ የኽትቶ እነሆእለ’’
ኣታ ደላይ ፍትሒ እየ እትብል ከ እንታይዩ መልስኻ”ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ክትከፍል ድሉው ዲኻ’’ከይጎዛዝዩኻ እቶም ነጋዶ’’መንእሰይ ኣይትተሃመል ኣይበልናን ዶ’’ናይ 2010 ሕራነ’’ብህግደፍ ተዳኺሙ ምስ ተበተነ’’ ቃልስና ጥራይ ዘረባ ስለ ዝኾና’’ማንኪ ንወይጦታቱ ኣኪቡ’’ ኣብ ጊሰን መደረ’’
ህዝቢ ኤርትራ ብውዲት ክሳቐ’’ብዙሕ ኣሎ ሕልንኡ ዘይጸንቀቐ’’ ንፍትሐዊት ኤርትራ ገንዘቡን ጉልቦቱን ዘበቐቐ’’ ብሉኡኽ ኣስረተ ካሳ ኤርትራዊ የ በሃሊ’’ብ66 ዝወጸ ናብ ገድሊ’’ብስዉር ዕላማ’’ድሕሪ ምብትታን ተ.ሐ.ኤ’’ካብ ሰማንያታት ኣትሒዛ’’ኤርትራ ምስ ህዝባ ትሕመስ እያ ዘላ’’
በጃ ሃገር ክንደይ መንእሰይ ሐሊፋ’’ ሕጂ ድማ ግፋ’’ንኤርትራ ጥራያ ከትርፋ’’ምስ ጸንቀቀ ዓቅሊ’’ሃለውሎው’’ቤላ ቤሎው’’ ድዩ ዝበለ’’ስነ ጥበባዊ ሒሰን ምሐመድ ዓሊ’’ኣቱም ሰበ ቀደመ’’እንታይ ጉድኩም ሕድሪ እንዳ ተጠለመ’’ህግደፍ ክሽመሙ ናብ ረግረግ’’ውሒጅ ከይመጸ መንገዲ ውሒጅ ንጽረግ’’ ብተባህለ ሐርነት መዓስ ይራጋገጽ’’ ዝቀደመ ደም ክይነቀጸ’’ኣብ ምንቲ ምንታይዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝቁጸ’’
ስልጣን ብደቆም ምስ ተተከኤ’’ኣይግዶም ህዝቢ ኤርትራ እንተ ጠፍኤ’’ኣይንጠቕሞምንዩ ለውጢ እንተ መጽኤ’’ቀታሊ ሰብ እንታይዩ ምልክቱ’’ደም ኣብ ኣጻብዕቱ’’እቶም ኢትዮጵያ ከይትብተን’’ንኤርትራዊያን ከጽንቱ’’ናብ ውግእ ዘኽትቱ’’ሕጊ ኣልቦ ጽባሕ ብሕጊ ክሕተቱ’’ኢደይ ኢድካ ክንብል ሕጂዩ ሰዓቱ።
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን’’   ብኣባል ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ’’ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 19 11 2021።
Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print

ምስኡ እተተሓሓዘ ዜና