ካብ ኣብ ኣዳል ብደቀባት ምስ ተጀመረ’’ንሃጸይ ሃይል ስላሴ ዘንፈርፈረ’’ ብኣግኣዝያን ሻዕብያ ወያነ ሃለውሎው በዚሑ’’ዓረባዊት እንዳበሉ’’ንታሪኽ ጀብሃ ከባላሽዉ’’ካብ ኣስመራ ተበጊሶም’’ ኣብ መቀለ ዲግሪ ዝሰቐሉ’’ስነሐሳብ ጀብሃ ተዳኹሙ እንበር’’ መዓስ ሞይቱ’’ገና ይቅጽል ኣሎ ቃልሱ።
ዝወደቀት ኦም ምሳር ይበዝሐ’’ጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተ’’ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሱሩ ንምእላይ ዝተበገሰ’’መን ከም ስዉእ ሐርበኛ ዓዋተ’’ኣዳል ኣብ ኤርትራ እንበር’’ኣይኮነን ኣብ ደደቢት ትግራይ’’ብውዲተኛታት ኣይትነየቱ’’ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራዊያንዩ ተዓዊቱ’’ሎኽመኛ ኣብታ ዝኳዓታ ጉድጓድዩ ዝዓቱ።
ጥንቅልዒት ዝሸንካዮ ናብ ነብስኻ’’ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ’’ ኣስላማይ ምስ ቁርኣኑ’’ክስታናይ ምስ ዳዊቱ’’ነራ ወ ሐብሐቢቱ’’ብዙሕ ኣይትሃውቱ’’ንታሪኽ ጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ’’ውሐጥዎ እንዳ ጠዓመኩም ዕረ’’ዕላማ ኤርትራ ንኤርትራዊያን ክሳብ ዝዕወት’’ክንቃለስ ኢና ክሳብ ፍጹም ዓወት።
ዓባይ ትግራይ ዝብሉ መዓስ ይውክሉና’’ኣስላምና ክስታና’’ ጀብሃና ግንባርና’’ሐርበኛታትን ዋዕሮታትን ሰብ ሕልና’’ ኣጆኹም ኣጆና’’ድሕሪ ውድቀት ህግደፍን መሰልቶምን’’ ሰላም ክረክብዩ ህዝብና።
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ መሰልቶምን’’ ብኣባል ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን ለካቲት 19 02 2022።