መስከረም እንቢ ንመግዛእቲ ዘድመጽናላ መዓልቲ ንዝኽሪ መበል 62 ዓመታ ይጽንብሉ ኣለዉ ደቂ ርስቲ ሕጂ ውን እንቢ ንብኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ፋሽሽቲ’’

መስከረም እንቢ ንመግዛእቲ ዘድመጽናላ መዓልቲ

ንዝኽሪ መበል 62 ዓመታ ይጽንብሉ ኣለዉ ደቂ ርስቲ

ሕጂ ውን እንቢ ንብኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ፋሽሽቲ’’

 

ጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ምስ ጀጋኑ ብጾቱ

ብ61መስከረም ኣብ ኣዳል ኣቡ ዓሸራ ዓትዒቱ

ሰውራ ኤርትራ ካብ ዝጅመር መበል 62 ዓመቱ

ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ሃውቲቱ’’

ኣውሊዔይ ዓደቦና ቆጽሊ ዘውደቑላ

ኣብ ከተማታት ኤርትራ ተሰቂላ

ኣብ ኣኽራናት ሃገርና ኣንበልቢላ’’

 

ኣብ ኤርትራ ሩባ ጎላጉል ጎቦ

ንነጻነት ደም ጀጋኑና ዝነጠቦ

ብጉጅለ ህግደፍ ሕጊ ኣልቦ

ኣብ ዓዲ ማዓር ጎጎ ሃንዛ ዒልቦ

ን32 ዓመት ፍትሒ ሐሪምዎ ዓደቦ’’

 

ውሕጅ ከመጸ መንገዲ ውሕጅ ንጽረግ

ኣብ ዝኽሪ መስከረም ብዘይ ነግ ፈረግ

ኣብ ኤርትራ ክውላዕ ናይ ሐርነት ሽግ’’

ደቂ ኤረይ ኣብ መስከረም ሕጂ ቃል ንእቶ

ኣብ ሃገርና ግዝኣተ ሕጊ ክነግስዩ ቲ ሕቶ

በቶም ሕብሮም ዝለዋውጡ ከም ነፋሒቶ

መመኽነይታ ገርና ምምፍልላይ ኣይንፍቶ’’

 

ብደገ ብውሽጢ

ኣይነዕጠጢ

እዋኑ ኣኺሉ ንለውጢ’’

ተጀመረ ኣሎ ዘብዘብ

ብስኒይ ሕጂ ክንላዘብ

ተባህለ ገዲፍና ንሕሰብ’’

 

ዓቢ ኑኡስን ብነድሪ

ንናይ ሰማእታት ሕድሪ

ጸረ ህግደፍ ብግብሪ’’

 

ኣብ መበል 62 ዓመታ ንታሪኻዊት መስከረም

ንጭፍራ ህግደፍ ኣይድመርን ኤረትራዊ የ በሎም

ንናይ ዘበና ኣንድነት ክብለልዩ ቲ ኣጉል ሕልሞም’’

 

ጸረ ጭፍራ ህግደፍ ተዃሉ

ዓቢ ኑኡስ ብሕራነ ተላዒሉ

መደምደምታ ክንገብረሉ’’

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም’’ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን ንናይ ዘበና ኣንድነታዊያንን’’ሐደ መስከረም 2023 ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።

Share on facebook
Facebook
Share on twitter
Twitter
Share on whatsapp
WhatsApp
Share on telegram
Telegram
Share on email
Email
Share on print
Print

ምስኡ እተተሓሓዘ ዜና