ኤርትራ ብደም ጀጋኑ ነጻ ዝኾነት ሃገር
ንቃለስ ኣሎና ሕድሪ ስዉኣትና ክትግበር
ልእላውነታ ንዘለኣለም ከቢሩ ይንበር’’
ብ24 ግንቦት መን ኣሎ ዘይተሐበነ
ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ውዲት ምስ ኮነ
መንግስቲ ባይቶ ኤርትራ ምስ ተበተነ
ላዕለዋይ ባይቶ ሕጊ ነዲፉ ምስ ወሰነ
ሽዑዩ ጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ
ፈላሚ ሰውራ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ’’
ን30 ዓመት ዋጋ ተኸፊሉ ንነጻነት
ጋህዲ ምስ ኮነ ኣብ 24 ግቦት
ንበጃና ዝወደቁ ዝሰንከሉን ክብረት
ንህልዋት ግና ን31 ዓመት ባርነት’’
ብመስዋእቲ ደቃ ልእላውነታ ኣራጋጊጻ
እወ ንነጻነት ዶ እወ ንባርነት ያ ኣድሚጻ
ኤርትራ መሬታ እንበር ህዝባ ኣይወጸን ነጻ
ብኣረማዊ ጉጅለ ህግደፍ ን31 ዓመት ተረጊጻ’’
ነጻነትና ብደምና ጋህዲ ኮይኑ
ህዝብና ብጀጋኑ ደቁ ተሐቢኑ
ህዝቢ ኤርትራ ሐርነት ሲኢኑ
ን31 ዓመታት ብህግደፍ ቃዝኑ’’
ንድሕነት ህዝቢ ዝብል ጉያ ጉያ
ከም ጅግና ስዉእ ኣብራሃም ተኸለ
ፈዳይን ተሐኤ ሰራሒ ቅያ
ክንዲ ሽሕ ንድለ ደቂ ኤርትረያ
ፊት ንፊት ዝገጥም ንጉጅለ ማፍያ’’
ተ.ሐ.ኤ ክትሐቅቕ ያ ጨሪሑ
ካብ ስግር መረብ ሐይለ ተለቂሑ
ንህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ሰሪሑ
ራኢና በቲኑ ኣብቲ ዝብጻሕ በጺሑ’’
ን31 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ደሃኸ
ኢትዮጵያ ከይዱ ኣከሰርናን ኢሉ ምስ ወከኸ
ዕላማ ኢትዮጵያዊ ሉኡኽ በሪሁ ዶ ሕጀ ኸ’’
ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ
ናትና ኣይንህብ ዘይናትና ኣይንደሊ
ምስ ተወረርና ኢና ጀሚርናዮ ገድሊ
ወይልኡ ፈታዊ መሲሉ ክጎብጥ ዝደሊ’’
ን31 ዓመታት ተሰሚና ተቓወምቲ
ንድሕነት ህዝቢ ሕጂ ንኹን ወሰንቲ
ኤረና ብደቀባታ ክትምራሕ ምእንቲ’’
ክንግዝዝ ዶ ብዝባን ጀጋኑ ስዉኣት
ክንፋላለ እዚ ህዝቢ ወሪድዎ መዓት
ህዝቢ ኤርትራ ደም ነቢዑ ብከዳዓት
ተቓወምቲ ፍረ ኣልቦ ን31 ዓመታት’’
ኣነ ክመርሕ ንጽባሕ ይጽናሕ
ብግብሩዩ ኣብ ዝደለኻዮ ዝብጻሕ
ተሳኒና ንድሕነት ህዝቢ ንስራሕ’’
ካብ ዝሐዝካ ዘይብልካ ንስልጣን ሃነፍነፍ
በብዘለናዮ ኣብ ጽላል ሐደ ባይቶ ንጠርነፍ
ብደገን ብውሽጥን ክንገጥሞ ንጉጅለ ህግደፍ’’
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ
ካብ ባርነት ህግደፍ ምስ ኮነ ሐራ
ንነጻነቱ ክጽንብሎ ህዝቢ ኤርትራ
ዘረባ ገዲፍና ወሰንቲ ንኹን ሐደራ’’
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’’ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና’’24 ግንቦት ንዘለኣለም ከቢራ ትንበር’’ ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን’’ገጣሚ ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን’’ 24 ግንቦት 2022።